Friday , May 10 2024
Jonas Ekströmer / TT kod 10030

መንግስቲ ብ ኣገባብ ኣመራምራ ኮቪድ-19 ከምዘይዓገበ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣብ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኮቪድ-19ን ዝኸዶ ዘሎ ፍጥነትን ዘገምተኛ ብምዃኑ እቲ ፍጥነት ክውስኽ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና ሃሊንገር ምልባዋ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሃሊንግረን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሎሚ 29 ሽሕ መርመራ ምክያዶምን እዚ ድማ ምስቲ ዝድለ ዝወሓደ ምዃኑን ሓቢራ’ላ። መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 100ሽሕ ሰባት ንምምርማር ውጥን ሒዞም ኣለዉ።

ሃሊንግረን ኣብ ማሕበራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ንጥፈታት ዝሳተፉ ሰባት ዘሎ መርመራ ፍሉይ ኣትኲሮ ክግበር ጻውዒት ጌራ’ላ። መንግስቲ ዲን ትካል ካሮሊንስካ ነበር ሃሬት ቫልቤሪ ነዚ መርመራታት ክቈጻጸር ምርቋሑን ቫልበሪ ብወገና” ንኣውራጃታት ብምውካስ ዝያዳ መርመራ ኸካይዱ ከም ዘለዎም ክጽዕር ኢና” ኢላ። ናውቲ ላቦራቶሪን ዓቕሚን ብዙሕ ዘሰክፍ ሕቶ ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ ድማ እዚ መርመራ ክቀላጠፍ ብኣጽንኦት ተላብያ’ላ። ቫልበሪ ነዚ ዝዕንቅፉ ምኽንያታት ንምድህሳስ ህጹጽ ውሳና ክትወስድ ምዃና ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com