Monday , May 20 2024

ጥዕና

10% ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ

10% ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ዓለም፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ቅሉዓት ምዃኖም ዝሕብር እዩ ክብል ወሲኹ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፡ ይውስኽ ኣብ ዘሎ  እዋን፡ መጠን ምልከፍትን ሞትን ድማ ኣብ ኤውሮፓን ምብራቕ ማእከላይ ባሕሪን ምውሳኹ ይፍለጥ ክብል ላዕለዋይ ክኢላ ህጹጽ ረድኤት’ቲ ውድብ፡ ማይክ ራያን ገሊጹ። ኣስታት …

Read More »

ሽወደን፡ ተወሳኺ 180 ሽሕ ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክታበት ዓዲጋ

ሽወደን፡ ተወሳኺ 180 ሽሕ ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክታበት ከምዝዓደገት ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ክልተ ኣምጻእቲ ትካላት፡ ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ፡ መድሃኒት ሸይጦምልና፡ ብጣዕሚ ዕድል ጌርና ኢና ክትብል ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ሓላፊት ጨንፈር ዝኾነት ማያ ብሪቲንግ፡ ገሊጻ። ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንኣገዳስነት ክታበት ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ከዕብዮ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር። ምምሕዳራት ሽወደን፡ ካብቲ ዓሚ ዝዓደገኦ ጸረ ወቕታዊ ኢፍሉዌንዛ ብ80 ሽሕ ዝዛይድ ከምዝዓደጋ …

Read More »

ቫይረስ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ፡ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ፡ ምልክታት የርእዩ

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና፡ ብዕጽፊ ምዕባዩን ኣብ ጽድያ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ክብ ምባሉን ተመራመርቲ ኮለጅ ቴክኖሎጂ ሮያል ሓቢሮም ክብል ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር ሓቢሩ። ብመሰረት ዝገበርናዮ መርመራ ኣብ ማሕበረሰብና፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ብናህሪ ይውስኽ እዩ ዘሎ፡ እዚ ድማ ብብዝሒ መርምራታት ኮሮና ዝተረኽበ ኣይኮነን ክትብል ተመራማሪት ዘይነብ ግሩል ገሊጻ። ተመራመርቲ ናይተን ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ሰለስተ ትካላት መጻረይ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ …

Read More »

ሽወደን፡ ዝለዓለ መጠን ግዳያት ዕጸ-ፋርስ ኣለዋ ተባሂሉ

ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ምክልኻል ዕጸ-ፋርስ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ብተዛማዲ ዝበዝሐ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤስቶንያ ዝበዝሑ ግዳያት ከም ዝነበርዋ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ሽወደን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ካብ ሓደ ሚልዮን ሰባት፡ 81 ከም ዝሞቱ እዚ ድማ ምስ ማእከላይ ገምጋም ግዳያት ሕብረት ኣውሮፓ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። መጠነ …

Read More »

ኣብ ዴኒማርክ፡ ማስክ ምኽዳን ዝረሰዐ ሽወደናዊ፡ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ተበይንሉ

ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዴኒማርክ ክትጥቀም እንከለኻ፡ ማስክ እንተዘይ ጌርካ እንታይ ከምዘጓናፈካ ትፈልጥ’ዶ፧ ንሓደ ሽወደናዊ ሰብኣይ ዘጓነፎ ከም መብርሂ ክኾነና ይኽእል እዩ። ኣብ ሄልሰንዮር፡ ሓደ ኣብ 50ታት ዝዕድሚኡ ሽወደናዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ ማስክ ከይተኸደና ረሲዕዋ ብምጽንሑ፡ ተቖጸጻርቲ ምስ ረኣየ ተኸዲንዋ። ይኹን እምበር፡ እቶም ተቖጻጸርቲ፡ ከይተኸደና ምጽንሑ ስለዝረኣዩ፡ ጥሕሰት መምርሒታት ኮሮና ፈጺምካ ኢሎም ሓበርዎ። እቲ ሽወደናዊ ሰብኣይ፡ ማስክ ብዘይምኽዳኑ፡ ክሳብ 3200 …

Read More »

ክታበት ህጻናት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዝለዓለ ደረጃ ይሳለጥ ምህላዉ ተገሊጹ

ሽወደናዊ ፕሮግራም ክታበት ህጻናት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና እውን ይሳለጥ ምህላዉ፡ ብበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝቐረበ ትንታነ ሓቢሩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ህጻናት እንተ ዘይተኸቲቦም ክስዕብ ብዛዕባ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነታት ኣመልኪቱ ከምዘጠንቀቐ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና እናሃለወ፡ ክታበት ህጻናት ብጽቡቕ ይሳለጥ ምህላዉ TT ሓቢሩ። ኣብ መበል 18 ወርሒ ዕድሜኦም፡ ህጻናት ናይ ንፍዮን ካልእን ክታበት ይቕበሉ ምህላዎም ተገሊጹ። እቶም ኣብ …

Read More »

ኤውሮፓዊ ኣሃዱ መድሃኒት፡ ብኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ዝፈረየ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ክግምግም ጀሚሩ

ኤውሮፓዊ ኣሃዱ መድሃኒት (EMA)፡ ነቲ ብሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ትካል ኣስትራ ዚኒካ፡ ዝምዕብል ዘሎ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ክግምግም ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። እቲ ኣሃዱ፡ ብኣግኡ ሓበሬታታት እናኣከበ፡ ብቐጻሊ ገምጋማቱ ዘካይድ እዩ። እታ ኣሃዱ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው እትጥቀመሉ ምዃና ኣፍሊጣ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንድሕነትን ኣድማዕነትን ናይቲ ክታበት ኣመልኪቱ፡ እቲ ኣሃዱ፡ መደምደምታ ክህብ ከምዘይክእል ሓቢሩ። ከምዝፍለጥ፡ ሽወደን፡ …

Read More »

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ሳምንታት፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት እናበዝሐ ምምጽኡ ተሓቢሩ

ኣብ ሆስፒታላት ሽወደን፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት፡ እናበዝሐ ምምጽኡ ተሓቢሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ካብ 12 ናብ 24 ክብ ምባሉ ተፈሊጡ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበርሎም ዝነበሩ 558 ሰባት፡ ኣብ ዕለት 11/09/2020 እቲ ቁጽሪ ናብ 12 ምጉዳሉ ይዝከር። እንተኾነ ካብዚ ዕለት ጀሚሩ፡ እቲ ቁጽሪ ቀስ እናበለ ብምውሳኹ ኣብ ዕለት 01/10/2020 …

Read More »

ኣባላት ስድራቤት ናይ ሓደ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሕሙም፡ ኣብ ገዛ ንክውሸቡ፡ ሽወደን፡ ሓቢራ

ኣባላት ስድራቤት ናይ ሓደ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሕሙም፡ ኣብ ገዛ ክውሸቡ ከምዝግባእ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ኣባላት ስድራቤት ሕሙም፡ ዘይተፈልጡ ተሰከምቲ ቫይረስ ክኾኑ ስለዝኽእሉ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ክሳብ ሓደ ሰሙን ዝኣክል ግዜ፡ ኣብ ገዛ ክውሸቡ ከምዝግባእ ኣንድሽ ቴግኒል ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። ኣባላት ስድራቤት’ቲ ሕሙም፡ እቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ከይተረፉ፡ ኣብ መበል 5ይ መዓልቲ …

Read More »

ህይወት ኖርወይ ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ይመስል

ኖርወይ፡ ንለበዳ ኮሮና ኣብ ምክልኻል ዝሓሸ ምንቅስቓስ ትገብር ኣላ ዝበለት ቀዳማይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ኣርና ሱልበሪ፡ ኣብያተ መግቢ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ጽላታት ብዘይገደብ ክኽፈቱ ከም ትደሊ ሓቢራ። ይኹን እምበር እዞም ግብራውነት ናይዞም ድልየታት ምስ ኩነታት ለበዳ ስለዝተሓሓዙ፡ እቲ ውሳነ ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ክመሓላለፍ ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢራ። ብመሰረት ሓደስቲ ሕግታት ሃገራዊ እገዳ ኣልኮላዊ መስተ፡ ማለት፡ ቀረብ መስተ መዓልታዊ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com