Saturday , May 18 2024

ሓበሬታ

ብቢልዮናት ዚቝጸር ክሮነር ህጹጽ ሓገዝ ንሓረስቶት

መንግስቲ ምስቲ ኣብ ሪክስዳግ ዘለዉ ሰልፍታትን ምስ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶትን ብተደጋጋሚ ክሕተት ዝጸንሐ ህጹጽ ሓገዝ ከምኡ እዉን ፣ መብዛሕትኦም ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት ነዳዲ ንምምላእ ብ700 ሚልዮን ደገፍ ከም እተገብረሎም ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሪክስዳግ ንሕርሻ ዝግበር ናይ ቅልውላው ደገፍ ጽዑቕ ምይይጥ ተገይሩ ኢዩ ። ሚኒስተር ፋይናንስ ሚካኤል ዳምበርይ ሚኒስተር ገጠራት ኣና-ካረን ዛርበርግ (ኤስ) ሎሚ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ሕ. መ. ኣ. ኣብ ሃገረ የመን ተጨዉዮም

ሓሙሽተ ሰበ – ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ የመን ተጨውዮም፣ ክብል ግልጋሎት ዜና ፈረንሳ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ብስራሕ ኮለላ መሮር ኣገልግሎት ተልእኾ ድሕሪ ምፍጻሞም ናብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝምለስሉ እዋን እዮም ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈለጡ ጉጅለ ተጨዉዮም። ው. ሕ. ሃ. ንኩነታትን ዝፍትሕሉ ኣገባባትን፣ ምስ ሰበ – ስልጣን ናይቲ ኣብ ዓደን ዘሎ መንግስቲ ብዝላዓለ ደረጃ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ …

Read More »

ሽወደን ዜጋታታ ካብ ዩክሬይን ክወጹ ጸዊዓ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ዜጋታቱ ካብ ዩክሬይን ክወጹ ጸዊዑ። ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኪዬቭ ሽወደናውያን ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክወጹ ሓጺር መልእኽቲ ከመሓላልፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ዩክሬይን ካብ 200-300 ዝኾኑ ዜጋታት ሽወደን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኪዬቭ ይሕብር። ኣብ ዩክሬይን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እውን ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ክወጹ ብሰንበት መጠንቀቕታ ምትሕልላፉ ኖርዌይ ቱደይ ጸብጺቡ።

Read More »

ሾልዝ ን ፑቲን ኣጠንቂቑ።

ሩስያ ን መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ኢላ ን ዩክሬይን እንድሕሪ ወሪራ ኣብ ልዕሌኣ ህጹጽ እገዳታት ክወርድ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣብ ዝኾነ እዋን ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣመሪካ ከተጠንቅቕ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን ሰራዊታ ብምስፋር ፈጢራቶ ዘላ ጸጥታዊ ቅልውላው እንድሕር ደው ዘይተብሎ ኮይና ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ህጹጽ እገዳታት ክወርድ እዩ ክብል ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ትማል …

Read More »

ሰራሕተኛታት ዝያዳ ናጽነት ይደልዩ ኣለዉ ።

ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ተነቢሩ ዝነበረ ኩሉ ቀይድታት ምልዓሉ እቲ ህይወት ኣብያተ ጽሕፈት፣ ከምቲ ቕድሚ እቲ ለብዒ ዝነበረ ኣይኪኸውንን እዩ ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ዝኾነ መጽናዕቲ ከምዘመልከቶ፣  ሰራሕተኛታት ኣበይ ከም ዚሰርሑን መዓስ ከም ዚሰርሑን ባዕሎም ኪውስኑ ስለ ዚደልዩ እቲ ለብዒ ንጹር ጽልዋ ገሩ ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነ ይሕበር ። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ገኒኖም ዘሎዉ ጠለብ ወሃብቲ ስራሕ ተዓጻጻፍነት …

Read More »

ዩክሬይን ምስ ሩስያ ክትራኸብ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ ዶባ ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣመልኪታ ምስ ሩስያን ካልኦት ወሰንቲ ኣባላት ጒጅለ ጸጥታ ኣውሮጳን ርክባት ክግበር ጸዊዓ። ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክሬይን ገዚፍ ሰራዊት ዘጸግዓትሉ ወግዓዊ ምኽንያት ምንጋር ምእባያ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ዩክሬይን ድሚትሮ ኩሌባ ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ ኲነታት ዘሎ ብሕታዊ ኣማራጺ ኣብ ዝቕጽል 48 ሰዓታት ንተግባራት ሩስያ ብግልጽነት ዝዝቲ ኣኼባ ምጽዋዕ እዩ ኢሉ’ሎ። ሩስያ 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት …

Read More »

ኖርዌይ፥ መጠንቀቕታ ውርጪ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ቡስከሩድ፥ ኦስሎ፥ ኣኸርሹስ፥ ኦፕላንድ፥ ሄድማርክ ከምኡውን ገለ ክፋላት ተለማርክ ክሳብ 25 ሰንቲሜትር ዝኸውን ርጒዲ ዘለዎ ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ማእከል ሜትሮሎጂ ኖርዌይ ኣጠንቂቑ። ሎሚ ሰኑይ እዚ ውርጪ ኣብ ልዕል ዝበሉ ከባቢታት ካብ 5-25 ሰንቲሜትር ክረጒድ ከም ዝኽእል ዝሓበረ ኖርዌይ ቱደይ ኣብ ካልእ ከባቢታት እቲ መጠን ርጒዲ ክዛይድ እዩ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ውርጪ ሰኑይ ሰዓት 1 ጀሚሩ ድሕሪ 24 …

Read More »

ሆላንድ፥ KLM ናብ ዩክሬይን ዝገብሮ በረራታት ደው ኣቢሉ።

መንገዲ ኣየር KLM ናብ ሃገረ ዩክሬይን ዝገብሮ በረራታት ደው ከም ዘበለ ን መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ብምጥቃስ NOS ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኔዘርላንድስ ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና እዚ ምቊራጽ በረራ ዝሓለፈ ቐዳም ዝነበረ ፕሮግራም ብምስራዝ እዩ ተጀሚሩ። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ናብ ዩክሬይን በረራታት የአንድግ ምንባሩ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ብምኽንያት ኣብ ዩክሬይን ተኸሲቱ …

Read More »

ንገበነኛታት ንምስጓጒ ዘኽእል እማመ ቀሪቡ።

  ዜጋታት ሽወደን ዘይኮኑን ብገበኖም ዝተፈርዱን ሰባት ብቐሊሉ ንምስጋጒ ዘኽእል እማመ ብመንግስቲ ቀሪቡ። ሚኒስተር ምውህሃድን ስደትን ኣንድረ ይገማን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መገለጺ እዚ እማመ ኣብ ክንዲ በዚ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ናይ ሓደ ዓመት ገበን ን 6 ወርሒ እውን እተፈርዱ ዘይሽወደናውያን ገበነኛታት ካብታ ሃገር ንኽስጐጒ ዓቕሚ ዝህብ ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከም ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝወርድ በደል ዝመሰሉ ገበናት ንምስጓጒ እኹላት …

Read More »

ሽወደን ንዩክሬይን እትገብሮ ሓገዝ ከተደንፍዕ እያ።

ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶብ ዩክሬይን ብምጽግዑ ኣህጒራዊ ወጥሪ ተኸሲትሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ሚኒስተር ኣህጒራዊ ልምዓትን ምትሕብባርን ሽወደን ማቲልዳ አርንክራንስ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ምብጻሕ ምፍጻማ ተገሊጹ። ንሳ ነቲ ኣብ ዩክሬይን ብሽወደን ዝተገብረ ናይ 234 ሚልዮን ክሮና ወፍሪ ማሕበራዊ ልምዓት ኣመልኪታ ንምዝርራብ እያ ናብ ኪዬቭ ኣምሪሓ ተባሂሉ’ሎ። ንሳ ኣብ ኪዬቭ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክሬይን ኢሪና ቨረሽቹክ፥ ቀይሕ መስቀልን ካልኦትን ትካላት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com