Saturday , April 27 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ሰራሕተኛታት ዝያዳ ናጽነት ይደልዩ ኣለዉ ።

ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ተነቢሩ ዝነበረ ኩሉ ቀይድታት ምልዓሉ እቲ ህይወት ኣብያተ ጽሕፈት፣ ከምቲ ቕድሚ እቲ ለብዒ ዝነበረ ኣይኪኸውንን እዩ ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ዝኾነ መጽናዕቲ ከምዘመልከቶ፣  ሰራሕተኛታት ኣበይ ከም ዚሰርሑን መዓስ ከም ዚሰርሑን ባዕሎም ኪውስኑ ስለ ዚደልዩ እቲ ለብዒ ንጹር ጽልዋ ገሩ ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነ ይሕበር ።

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ገኒኖም ዘሎዉ ጠለብ ወሃብቲ ስራሕ ተዓጻጻፍነት ኮይኑ፣  ማዕረ ደሞዝ ንጡረታ ከምኡውን ንዕረፍቲ ኣገዳሲ ዀይኑ ረቛሒ ከምዝኾነ ይዝረብ ። ፒተር ክኑትሰን ዝስሙ ኣብ ኩባንያ ኣካዳምያዊ ዕዮ፣ሓላፊ ክፍሊ ምቑጻር ሰራሕተኛታት፣  እቲ ኩባንያ ኣብ ዓዓመት ምስቲ ኣብ መጀመርታ ሞያኦም 5,000 ዝዀኑ ሰባት ዝርከብዎ ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ተዓጻጻፊ ምዃን ብዝያዳ ኣገዳሲ እናዀነ ከምዝኸደን፣ በዚ መሰረት ከኣ ዝሓለፈ ቀውዒ ጥራይ 44 ሚእታዊት ኻብቲ ኣብ ዋሃብቲ ስራሕ ዚርአ ኣገዳሲ ረቛሒታት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብ 26 ሚእታዊት ወሰኽ ገሩ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ካንታር ሲፎ ዝተባህለ ተመሳሳሊ መጽናዕትን ዳህሰሳን ዝገበረ ትካል ከኣ፣ ነዚ ዉጽኢት ኣረጋጊጽዎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ስለዝኾነ ኣብ ስወደን ተዓጻጻፍነት ዝመለልይኡ ናይ ስራይ ዝያዳ ነጻነት ቀንዲ ጠለብ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ትካላት መጽናዕቲ ይሕብሩ።

 

 

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com