Friday , May 17 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝበዝሐ ሽቕለት ተመዝጊቡ ተባሂሉ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ብጠቕላላ 207,000 ናብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ከም እተመዝገበን እዚ ድማ ዝለዓለ ቊጽሪ ምዃኑን ተገሊጹ። ተንታኒ ኣገልግሎት ሽቕለት ኣንደርሽ ልዩንበርግ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ዘሎናዮ ግዜ እቲ ዝበዝሐ ኣሃዝዩ ኢሉ። ድሕሪ ምውዳእ ለበዳ ሓደስቲ ደለይት ስራሕ ንምቚጻር ድሌት ምህላዉ እውን ይግለጽ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ መጋቢት ዝነበረ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ከባቢ 7% ካብ ጠቕላላ ሓይሊ ሽቕለት ምዃኑን፡ እዚ ድማ …

Read More »

ተመልከትቲ ሲነማ ዝብላዕ ሒዝካ ምእታው ክኽልከሉ እዮም።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብ ሲነማ ፊልምስታደን ናይ ባዕልኻ መግቢ ጥዕሞት መግቢ ሒዝካ ምምጻእ ከም እተከልከለ ጋዜጣ ፎክብላዴት ሓቢራ። ኣብ ክንዳኡ ዓማዊል ኣብቲ ሲነማ ዝቐርቡ ቅልል ዝበሉ ዝብልዑን ዝስተዩን ነገራት ክገዝኡ ከም ዝኽእሉ ክግበር እዩ። ምስ ጥዕና እተኣሳሰሩ ፍሉያት ምኽንያታት ዘለዎም ገዲፍካ ኲሎም ዓማዊል ናይ ባዕልኻ መግቢ ሒዝካ ምምጻእ ኲልኲል ክኸውን እዩ–ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ።

Read More »

ኣብ ሸመታ ጸዓት ዘተኰረ ሸቶ ምፍናው ካርቦን ክካየድ እዩ።

ስትራቴጂታት ሸቶታት ክሊማ ዘማዕብል ሓውሲ ወተሃደራዊ ኮሚተ ሚልዮማልስበረድኒንገን ኣብ ሸመታ ጸዓት ዘተኰረ ግዜያዊ ጸብጻብ ምፍናው ካርቦን ኣቕሪባ’ላ። ሸሞንቲአን ሰልፊታት ነዚ እማመ ደገፈን ሂበን ኣለዋ። ኣብታ ኮሚተ ዝነበረትን ኣባል ባይቶ ሓምላይ ሰልፊን ኣማንዳ ፓልሚስቴርና ሽወደን ከምዚ ዝበለ ሸቶ ዘዳለወት ቀዳመይቲ ሃገር ምዃና ገሊጻ’ላ።

Read More »

ሽወደን ካብ ተሞርካስነት ጸዓት ሩስያ ሓራ ክትወጽእ ኣለዋ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ካብ ሩስያ ዝጸንሐ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ምግልጋል ዝብል ሓሳብ ኣዝዩ ህጹጽ ጒዳይ ጌርዎ ምህላዉ ሚኒስተር ኣከባቢን ክሊማን ኣኒካ ስትራንሃል ገሊጻ’። ህዝቢ ሽወደን መኪና ንኽዝውር ኮነ ቤቱ ንኸምውቕ ኣብ ከም ሩስያ ዝመሰላ ሃገራት ክምርኮስ የብሉን" ክትብል ኣኒካ ወሲኻ ኣብሪሃ። ሽወደን ኣብ ናይ ንፋስ ጸዓት ተወሳኺ ወፍሪ ክትገብር ፡ ከምኡ’ውን ነተን ናይ ንፋስ ጸዓት ክህነጽ ፍቓድ ዝህባ ምምሕዳራት ከተማ ምትብባዕ …

Read More »

ትካል ረድኤት፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ ቤት ንክረኽቡ ይነጥፍ። 

ሽወደናውያን ብድንጋጸ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ኣባይቶም ይመቕሉ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስቶክሆልም ስታድሚሽን ዝተባህለ ትካል ረድኤት ሽወደን ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ መንበሪ ንክረኽቡ ናይ ምስላጥ ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።  “ካብ ተራ ዜጋታት ክሳብ ውድባትን ወነንቲ ንብረትን ንስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ዓብዪ ተበግሶ ኣሎ” ክትብል ኣብ ትካል ስቶክሆልም ስታድሚሽን ሱዛን ስቨንሶን ገሊጻ’ላ።  እዚ እናኾነ ዩክሬናውያን ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ከቚሙ ዝያዳ ሓገዝ …

Read More »

SÄPO፡ ስለያ ሩስያ ንምብርዓን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። 

ፖሊሲ ጸጥታ ሽወደን ሴፖ ስለያ ሩስያ ናይ ምብርዓን ስራሕ ኣበርቲዑ ተተሓሒዝዎ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሓላፊ ጸረ ስለያዊ ንጥፈታት ሴፖ ዳንኤል ስተንሊን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሩስያ ኣብ ሽወደን ስለያ ዘካይዱ ሰባት ንምኽታብ ትጽዕር ከም ዘላ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ስግኣት ንምክልኻል ብተጠንቀቕ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ኣገልግሎታት ስለያ ሩስያ ኣብ ሽወደን ንጥፈታተን የካየዳ ምህላወን. …

Read More »

ተወካሊ ቆንስል፥ ተመሳሳሊ ጌጋ ክንደግም ኣይንደልን ኢና። 

ካብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ኣትሒዘን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከባ ቆንስላት-ኣከባቢ ካብ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ኣብ ጽቡቕ ምቅርራብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ። ኣብ ኤከርስበርጋ ሰሜን -ስቶክሆልም ስደተኛታት ዝጸዓና ፈለምቲ ኣውቶቡሳት ኣትየን ኣለዋ። “ካብ ናይ 2015 ፍጻመ ብዙሕ ሒና ተማሂርና፡ ስለዚ ድማ ተመሳሳሊ ጌጋ ክንደግም ኣይንደልን ኢና” ክትብል ኣብ ኤከርስበርጋ ሓላፍነት ምቕባል ስደተኛታት ዝወሰደት ክሪስቲና ኤይንቦርግ ገሊጻ’ላ።   

Read More »

ኣባል ኔቶ ንምዃን ዘድሊ ሰፊሕ ደገፍ ባይቶ ከም ዘየለ ተገሊጹ። 

ኣብ ባይቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንጸንበር ዝብል ድምጺ ገና ኣብ ዝወሓደ ደረጃ ብምህላዉ ነዚ ኣጀንዳ ኣብ ምግዋሕ ዝያዳ ምትብባዕ ትጠልብ ምህላዋ መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ ገሊጻ።  ንሳ ምስ ሬድዮ ሽወደን P1– ፕሮግራም ወጋሕታ– ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ውሳነ ንኽብጻሕ ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ደገፍ ክትረክብ ከም እትደሊ ወሲኻ ገሊጻ።  “ንኣና ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ እዚ ኣገዳሲ ጒዳይ እዩ፡ …

Read More »

ትካል ማይብሎማን ዓመታዊ ንጥፈቱ ጀሚሩ። 

ንቆልዑ ካብ ድኽነት ዝሕሉ ትካል ማይብሎማን ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ዓመታዊ ማዕከኑ ናይ ምስሳን ንጥፈት ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ነዚ ዝገብር ብወረቐት ዝተሰርሑ ዕንባባታት ብቆልዑ ከም ዝሽየጡ ብምግባር እዩ። “ንግስቲ ሽወደን ቀዳመይቲ ዕንባባ ገዚኣ’ላ” ክትብል ዋና ጸሓፊት ትካል ማይብሎማን ኤስ ኤነል ገሊጻ’ላ። ካብ መሸጣ እዚ ዕንባባታት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ሽግር አለዉ ህጻናት ንምርዳእ ክውዕል እይ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ድኽነት ዘለዉ ህጻናት ሽወደን …

Read More »

ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ። 

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ’ሎ። እዚ ማለት ኮቪድ-19 ን ህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ኣይኮነን፡ ኣብ  ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ስግኣት እውን የለን ማለት እዩ። ብተግባር እንክረአ እዚ ቫይረስ ከም ዘለዎ ዝጥርጥር ሰብ ሕክምና ክከታተል ኣይግደድን፡ ዳህሳስ ለበዳ ከምኡውን ውሸባ ይዂን ምፍላይ እውን ደጊም ኣይከድልዩን እዮም ማለት እዩ። እቲ ሕማም ሕጂ’ውን ከም ዘሎን ሰባት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com