Monday , April 29 2024
Johan Nilsson/TT

ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ። 

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ’ሎ። እዚ ማለት ኮቪድ-19 ን ህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ኣይኮነን፡ ኣብ  ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ስግኣት እውን የለን ማለት እዩ። ብተግባር እንክረአ እዚ ቫይረስ ከም ዘለዎ ዝጥርጥር ሰብ ሕክምና ክከታተል ኣይግደድን፡ ዳህሳስ ለበዳ ከምኡውን ውሸባ ይዂን ምፍላይ እውን ደጊም ኣይከድልዩን እዮም ማለት እዩ። እቲ ሕማም ሕጂ’ውን ከም ዘሎን ሰባት ክኽተቡን ለበዋታት ዘቕረበ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና፡ ምልክታት እቲ ሕማም ዘለዎም ኣብ ቤቶም ክውሰኑ መኺሩ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com