Monday , April 29 2024
Paul Wennerholm/TT

ትካል ማይብሎማን ዓመታዊ ንጥፈቱ ጀሚሩ። 

ንቆልዑ ካብ ድኽነት ዝሕሉ ትካል ማይብሎማን ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ዓመታዊ ማዕከኑ ናይ ምስሳን ንጥፈት ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ነዚ ዝገብር ብወረቐት ዝተሰርሑ ዕንባባታት ብቆልዑ ከም ዝሽየጡ ብምግባር እዩ። “ንግስቲ ሽወደን ቀዳመይቲ ዕንባባ ገዚኣ’ላ” ክትብል ዋና ጸሓፊት ትካል ማይብሎማን ኤስ ኤነል ገሊጻ’ላ። ካብ መሸጣ እዚ ዕንባባታት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ሽግር አለዉ ህጻናት ንምርዳእ ክውዕል እይ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ድኽነት ዘለዉ ህጻናት ሽወደን ሽወደን ናብዚ ትካል ረድኤት ከመልክቱ ከም ዝኽኡ ዝገለጸት እታ ጸሓፊት ኣብ እዋን ዊንተር ጃኬት፡ ከምኡውን ጫማን ወጻኢታት ኣብያተ ትምህርቲን ኣብ ምሽፋን ከም ዝነጥፍ ወሲኻ ኣብሪሃ’ላ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com