Saturday , April 27 2024
Foto: Lars Schröder / TT kod 10510

ሽወደን ካብ ተሞርካስነት ጸዓት ሩስያ ሓራ ክትወጽእ ኣለዋ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ካብ ሩስያ ዝጸንሐ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ምግልጋል ዝብል ሓሳብ ኣዝዩ ህጹጽ ጒዳይ ጌርዎ ምህላዉ ሚኒስተር ኣከባቢን ክሊማን ኣኒካ ስትራንሃል ገሊጻ’። ህዝቢ ሽወደን መኪና ንኽዝውር ኮነ ቤቱ ንኸምውቕ ኣብ ከም ሩስያ ዝመሰላ ሃገራት ክምርኮስ የብሉን" ክትብል ኣኒካ ወሲኻ ኣብሪሃ። ሽወደን ኣብ ናይ ንፋስ ጸዓት ተወሳኺ ወፍሪ ክትገብር ፡ ከምኡ’ውን ነተን ናይ ንፋስ ጸዓት ክህነጽ ፍቓድ ዝህባ ምምሕዳራት ከተማ ምትብባዕ ክወሃብ፡ ብኡ ኣቢልካውን ኣብ ምህናጽ ተርባይናት ንፋስ ዘሎ ናይ ቆንስላት ድምጺ ቬቶ ናይ ምቕያር መደብ ከም ዘለዎ መንግስቲ ገሊጹ’ሎ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com