Friday , April 26 2024
Johan Nilsson/TT

ትካል ረድኤት፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ ቤት ንክረኽቡ ይነጥፍ። 

ሽወደናውያን ብድንጋጸ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ኣባይቶም ይመቕሉ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስቶክሆልም ስታድሚሽን ዝተባህለ ትካል ረድኤት ሽወደን ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ መንበሪ ንክረኽቡ ናይ ምስላጥ ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። 

“ካብ ተራ ዜጋታት ክሳብ ውድባትን ወነንቲ ንብረትን ንስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ዓብዪ ተበግሶ ኣሎ” ክትብል ኣብ ትካል ስቶክሆልም ስታድሚሽን ሱዛን ስቨንሶን ገሊጻ’ላ። 

እዚ እናኾነ ዩክሬናውያን ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ከቚሙ ዝያዳ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ተገሊጹ። ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ብዛዕባ ህሉው ኲነታት ቢዝነስ ዘለዎም ሓበሬታ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑን እዚ ድማ ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ንምጅማር ሓገዝ ከም ዘድልዮም ዝሕብር እዩ ክብል ሓደ ናይ ቢዝነስ ጒጅለ ኣመልኪቱ። ዩክሬናውያን ተረጋኢኦም እግሮም ንኽተኽሉ ሽወደን ኲሉ ዝከኣላ ክትገብር ከም ዝግባእ ኣብ ኮንፈደሬሽን ዋኒናት ሽወደን በዓል ሞያ ሕጊ ክሪስተር ኦስትሉንድ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com