Friday , May 17 2024

ዜና መጽሄት

ዋሕዲ ለገስቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (Sperm) ከም እተኸስተ ተገሊጹ።

ቆልዑ ምውላድ ንእተሸገሩ ጽምዲ፡ ብሰብሰርሖ መንገዲ ናይ ጽግያት ኣገልግሎት (Artificial Insemination) ይህባ ካብ ዝነበራ ሸሞንተ ዞባታት ሽወደን፡ እተን ሾብዓተ ሕጽረት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቚሖን ከም ዘለወን፡ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ሕጸረት፡ ኣብቶም ዘይኣውሮጳውያን ሰባት ጎሊሑ ከም እተራእየ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ኣይዲ ቶራይን ኣማንዳ ዘተርገን፡ በዚ ሰብሰርሖ ኣገባብ ነፍሰጾር ክኾና ክጽዕራ ዝጸንሓ እየን። ሆስፒታል ካሮሊንስካ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ገለ ክፋላት …

Read More »

ኦስሎ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣየት ሰልፊ ግብረሰዶማያን ክካየድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጽእ ኣየት፡ ሰልፊ ግብረሰዶማያን ኣብ ኦስሎ ክካየድ ምዃኑ ፖሊስ ኖርወይ ኣፍሊጦም። ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰልፊ ግብረሰዶማውያን፡ ብሰንኪ ኣብ ሓምለ 25 እተፈጸመ ተዂሲ ምስራዙ ዝፍለጥ እዩ። “ፖሊስ ወረዳ ኦስሎ ዝተፈላለዩ ጽንብላት ኣብ ምድላው ዝጸንሐን ሰፊሕ ተመኲሮን ኣለዎ፡ ኣቐዲምና ልዝብን ናይ ምክልኻል ስራሕ ብምድላው ኢና ንጅምሮ፡ ብተወሳኺ ዘድሊ ጸጋታት ነፍስሰሉ ኢና” ክብል ኣብ ወረዳ ኦስሎ ሓላፊ …

Read More »

ኣብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት ኖርወይ ብርቱዕ ዝናብ ክህሉ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ከባቢታት ኡስታፍየላስ ከምኡ’ውን ሮጋላንድ ብርቱዕ ዝናብ ክሃርም ክሃርም ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ክሳብ ጽባሕ ድማ ኣብ ትሩንድላግ ከምኡውን ኖርድላንድ ተመሳሳሊ ኲነታት ክህሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ካብ ትማል ሰኑይ ምሸት ኣትሒዙ ኣብ ኡስፎልድ ጸኒሑ ድማ ኣብ ዝተረፈ ምብራቕ ኖርወይን ኣግደርን ብርቱዕ ዝናብ ክህሉ እዩ ዝብል ትንበያ ኣሎ። መጠን ጻዕቂ ዝናብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈላለ ይኽእል …

Read More »

ጂሚ ኣከሰን፡ ስደተኛታት ምቕባል ክንቅንስ ከድልየና እዩ።

ኣብ ሽወደን ህዝባዊ ውሕስነት ምርግጋጽ ኣዝዩ ወሳኒ ጒዳይ ምዃኑ፡ እታ ሃገር እትቕበሎም ቊጽሪ ስደተኛታት ከኣ ከተጒድል ይግባኣ ዝብል ጽኑዕ መትከል ሰልፉ ምዃኑ፡ ሓላፊ ስልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ጂሚ ኣኬሰን ኣተሓሳሲቡ። ሬድዮ ሽወደን፡ ንኽካየድ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃለ-መሕትት እዩ ኤክሰን ከምዚ ዝበለ። “ምጒዳል ስደተኛታት ከድልየና እዩ” ድሕሪ ምባል …

Read More »

ወፍሪ ምርጫ ፓሉዳን ንምክትታል ፖሊስ ሽወደን ልዕሊ 43 ሚልዮን ወጻኢ ጌሮም ።

ድርብ ዜግነት ሽወደንን ደንማርክን ዘለዎ፡ ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ዘካየዶ ናይ ምረጹኒ ወፍሪ ንምዕዛብ፡ ፖሊሲ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 43 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ምግባሮም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ስርሒታት ፖሊስ፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን ካልእ መዓልታዊ ዕዮን ሰብ-መዚ ጽልዋ ኣሕዲሩ ምህላዉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ። እዚ ይዂንምበር “መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ሓለዋ ክግበረሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ኣካል ክብርታትና ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ነዞም ወጻኢታት ምግባሩ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ትሮንዳይም ናይ ሓሶት ጽንብል ተዳልዩ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ትሮንዳይም፡ “ስካይ ምዩዚክ ፈስቲቫል” እተባህለ፡ ብ ኦንላይን ዝካየድ ናይ ሓሶት ጽንብል ከም እተኸፍተ፡ ፖሊስ ገሊጾም። እዚ ፈስቲቫል፡ ካብ ነሓሰ 12-14 ኣብ ኣርክቢሾፕስ ኮርት ክካየድ ተመዲቡ ምንባሩ፡ ፖሊስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ ጽንብል ንምስታፍ ቲኬት ዝገዝኡ ኲላቶም፡ ብ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ወያብ ጥቓኦም ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ኣቤት ክብሉ ፖሊስ ተላብዮም ኣለዉ። “ነዚ ናይ ሓሶት ፈስቲቫል ተባሂሉ፡ …

Read More »

ፖለቲከኛታት ኣብ ዝህብዎ ቃል ኣዝዮም ጥንቁቓት እናኾኑ ይመጹ ምህላዎም ተገሊጹ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ክሳለጥ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝህብዎ ቃል ኣዝዮም ጥንቁቓት እናኾኑ ይመጹ ምህላዎም ተገሊጹ። መራሕቲ ፖለቲካ፡ ኣየናይ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ክመጽእ ይደልዩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝህልዎም መንግስቲ ከመይ ዝበሉ ጒዳያት ክህልዉ ይመርጹ ወይ ከትርፉ ይደልዩ፡ ንዝብሉ ሕቶታት ዘይንጹር መልሲታት ናይ ምሃብ ዝንባለ ይረኣዮም ኣሎ ክትብል፡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ነዚ ኲነታት ኣመልኪቱ፡ ኒኮላስ ኣይሎት– መምህር …

Read More »

ኖርወይ፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ን ዩክሬይን ዝኸውን ኣጽዋር ከፍርዩ ከም ዝደልዩ ገሊጹ።

ካብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ኣጽዋር ምግዛእን ናብ ዩክሬይን ምሻጥን ብዝምልከት፡ መንግስቲ ነቲ ብኔቶ ዝቐረበ እማመ ክሰምዕ ከም ዝግባእ፡ ሰልፊ ሊበራል ኖርወይ ሓቲቶም ኣለዉ። “ነቲ ስቶለንበርግ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጠለብ መንግስቲ ክምልሰሉ ብተርባጽ ኢና ንጽበ ዘሎና፡ ምኽንያቱ ዩክሬይን ብቕልጡፍ ኣጽዋር የድልያ’ሎ” ክትብል መራሒት ሰልፊ ሊበራል ጉሪ መልቢ ን ጋዜጣ ክላስካምፐን ኣተሓሳሲባ’ላ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሃንስ ስቶለንበርግ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኡቶያ ንዝርከብ AUF ኣብ …

Read More »

ዮሃን ፓርሶን፡ ሊበራላዊ ዓቃባዊ መንግስቲ ኢና ንደሊ።

ሰልፊ ሊበራል፡ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝነበራ ደገፍ ብምጥንጣን፡ ነቲ ብ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዝምራሕ ዓቃባዊ ሞደራትና ምዝንባላ ተገሊጹ። ከም ኣካል ናይቲ ምስ ምቕራብ ምርጫ ሬድዮ ሽወደን ምስ ሰልፊታት ባይቶ እተገብሮ ዘላ ቃለመሕትት፡ ምስ ዮሃን ፐርሶን ናይ ሊበራላዊ ሰልፊ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ትምህርቲ፡ ጸዓትን ምውህሃድን ኣገዳሲ ጽገናታት ክካየድ ዝከኣል ሰልፊ ሞደራትናን ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ብሓብር ብዝገብርዎ ጻዕሪ ምዃኑ፡ …

Read More »

ኖርወይ፡ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ኤለትሪክ ናይ በረድ ምንሽርታት ማእከላት ክዕጸዉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

ብምኽንያት ልዑል ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ከምኡውን ጸዓት ብዕደላ (ራሽን) ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት፡ ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ንኡሳን ናይ በረድ ምንሽርታት ማእከላት ክዕጸዋ ከም ዝኽእላ፡ ጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንስሊቭ ኣተሓሳሲባ። ሚኒስተር ፋይናንስን ባህልን ኖርወይ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ውድብ ኢንዱስትሪ ኖርዌጅያን ኣልፓይን ከምኡውን ብቱሪስት ዝብጽሑ እምባታት መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ ስጒምቲ ክወስድ ምጽውዖም ሓቢሮም ኣለዉ። ገለ ካብ ዝለዓለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com