Friday , April 26 2024

ኖርወይ፡ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ኤለትሪክ ናይ በረድ ምንሽርታት ማእከላት ክዕጸዉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

ብምኽንያት ልዑል ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ከምኡውን ጸዓት ብዕደላ (ራሽን) ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት፡ ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ንኡሳን ናይ በረድ ምንሽርታት ማእከላት ክዕጸዋ ከም ዝኽእላ፡ ጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንስሊቭ ኣተሓሳሲባ።

ሚኒስተር ፋይናንስን ባህልን ኖርወይ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ውድብ ኢንዱስትሪ ኖርዌጅያን ኣልፓይን ከምኡውን ብቱሪስት ዝብጽሑ እምባታት መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ ስጒምቲ ክወስድ ምጽውዖም ሓቢሮም ኣለዉ። ገለ ካብ ዝለዓለ ወጻኢታት ዝሓትት ተግባራት እዞም ናይ መዘናግዒ ማእከላት፡ ሰብ-ሰርሖ በረዳት ምፍራይ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ገዚፍ ጸዓት ኤለትሪክ ዝሓትት ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

“በዚ ዘሎ ዋጋ ጸዓት፡ ብፍላይ ኣብ ዊንተር ወጻኢታትና ብዓሰርተ ዕጽፊ ክውስኽ ዝብል ስግኣት ኣሎና። ብሓጺሩ እዚ ኲነታት ከም ዘለዎ እንተቐጸኢሉ ኣብ ዝመጽእ ዊንተር ብርክ ዝበላ እዘን ናይ ምንሽርታት በረድ መዘናግዒ ማእከላት ክዕጸዋ ይኽእላ እየን” ክብል ኦድ ስተንሰርድ ነታ ጋዜጣ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com