Friday , May 3 2024

ዜና መጽሄት

ኖርወይ ኣብዚ ሳመር ክትባት ማንኪፖክስ ክትቅበል እያ ተባሂሉ።

ኣብ ምውዳእ ወቕቲ ሳመር፡ ኖርወይ ክትባት ማንኪፖክስ ንምክልኻል ዘኽእል ብልቃጣት ክትባት ክትወስድ እያ፡ ክብል ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ብስሉስ ኣፍሊጡ። “እቲ ዶዛት ገና ኣይበጽሓናን ኣሎ፡ ክሳብ መወዳእታ ሳመር ኣብ ኢድና ክኣቱ እዩ፡ ክሳብ ሽዑ ትካልና እዚ ክትባት ኣብ ኖርወይ ብኸመይ ኣብ መዓላ ይውዕል ዝብል ምሉእ መምርሒ ኣብ ምጽፋፍ ኢዩ ዘሎ” ክትብል ሄለና ኔይሚ-ኤዲ ን NTB ሓቢራ። እቲ ክትባት ብቫይረስ ማንኪፖክስ …

Read More »

ትማል ረቡዕ 70 በረራታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተሰሪዞም።

ብምኽንያት እቲ ን ክልተ ሳምንታት ዝቐጸለን ብሰሉስ ደው ዝበለን ኣድማ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ትማል ረቡዕ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 70 በረራታ ምስራዞም ተገሊጹ። ኣስታት 900 ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ካብ ሓምለ 4 ክሳብ ሰሉስ 19 ሓምለ ብሰንኪ ዘካየድዎ ኣድማ፡ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 2,497 በረራታት ከም እተሰረዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ እቲ ኣድማ ደው ኢሉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እውን እንተኾነ፡ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -21-07-2022

Read More »

ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ዘለዎም ሰባት ዝሕግዛ መስመራት ይስስና።

ናብ ስም ኣልቦ ናይ ሓገዝ መሐተቲ ማእከላት ዝድውሉ፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ዘለዎም ሰባት፡ ቊጽሮም እናወሰኽ ክመጽእ ምጽንሑ ተገሊጹ። ምስ ዓሚ ብምውድዳር፡ ኣብ መጀመርታ መፋርቕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ጥራይ፡ ናብ መሕተቲ ሓገዝ “ድሮግህያፐን” ዝግበሩ ጻውዒታት ብ 27% ምውሳኾም፡  ኣብቲ ትካል እትሰርሕ ኣን-ሶፊ ገሊጻ። ዝበዝሑ ናብዚ ማእከል ጻውዒት ዝገብሩ ዓማዊል፡ ፈለምቲ ጸዋዕቲ ምዃኖም ዝገለጸት ሶፊ፡ ብዛዕባ ኲነታቶም ንማንም ካልእ ሰብ …

Read More »

ዋጋ ኣባይቲ ምንቊልቋል ይቕጽል።

ኣብ ኣዋርሕ ሰነን ቀዳማይ መፋርቕ ሓምለን፡ ኣብ መላእ ሽወደን ዋጋታት ንብረት ምንቊልቋል ይቕጽሉ ምህላዎም፡ ካብ ትካል ቫልዩጋርድ እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ብዘይካዚ ብምኽንያት እዚ ክስተት፡ ንብረት ንምሻጥ ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስድ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሸየጥቲን ሸመትቲን ዋጋታት ንብረት ክልወጡ እዮም ኢሎም ትጽቢት ኣሕዲሮም ምህላዎም፡ ኣካያዲት ኤጀንሲ ሪል እስቴት ዞባ ስቶክሆልም–ብዩርፎርስስ–ክሪስቲና ሄንሪክሰን ኣመልኪታ።

Read More »

መስርሕ ፍርዲ ናይቲ መማህራን ዝቐተለ ተመሃራይ ማልም ምጅማሩ ተገሊጹ።

መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማልም ክልተ መማህራን ብምቕታል እተኸሰ ወዲ 18 ዓመት ተመሃራይ፡ ትማል ረቡዕ ከም እተጀመረ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ጠበቓ ተኸሳሲ ዓሚሉ ነዚ ቅትለት ከም ዝወዓሎ ክእመን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዚ መንእሰይ ገበነኛ ኮይኑ እንድሕሪ ተረኺቡ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ሰፊሕ መርመራ ስነልቦናዊ ሓበሬታ ገበነኛ ንኽግበር ትእዛዝ ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። እዚ እንድሕሪ ተጌሩ፡ እቲ ገበነኛ …

Read More »

ሎሚ ሓሙስ መጠን ሙቐት 35 ºC ክበጽሕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ መላእ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ሃሩር፡ ናብ ሽወደን እውን የስፋሕፍሕ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ልዑል መጠን ሙቐትን ነቕጽን ናብ ባርዕ ጫካ ከምርሕ ይክእል እዩ። እዚ እናኾነ፡ ሎም ሓሙስ መጠን ሙቐት ካብ 30 ºC ክሳብ 35 ºC ክበጽሕ ከም ዝኽእል፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ክኢላ ኲነታት ኣየር ሶፊያ ሶደርበርግ ሓቢራ’ላ።

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ኣስኪም ሓንቲ ሰበይቲ ተቐቲላ።

ትማል ሰሉስ ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት እንትርከብ ሰበይቲ ኣብ ኣስኪም ብዝወረዳ ብርቱዕ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ህይወታ ምሕላፊ ተፈሊጡ። በዚ መጥቃዕቲ እተርጠረ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ። “ብርክት ዝበሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርመራ ናብ መደበር ፖሊስ ከም እተወስዱ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ፖሊስ ብርክት ዝበለ ተኽእሎታት እቲ ገበን እኳ እንተውጽኡ ዛጊት ደምዳሚ ስእሊ ክሕዙ ከም ዘይከኣሉ ኣካያዲ ስርሒታ ፖሊስ ቶም ሳንበርግ ን …

Read More »

ኖርወይ፡ መፍረ ጸዓት ኤለትሪክ ብ 7% ኣንቈልቊሉ።

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2022 መፍረ ጸዓት ኤለትሪክ ኖርወይ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ብ 7% ከም ዝትሕት ተገሊጹ። ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል መፍረ ጸዓት ትሑት ዕቋር ማይ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ። ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 202 ምፍራይ ጸዓት 33.4 ኪ/ዋ ምንባሩ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኖርወይ መፍረ ጸዓት ንፋስ ብናህሪ ምውሳኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል …

Read More »

ተጸለውቲ ጸሓይ ጥንቃቐ ክገብሩ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብዚ ሰባት ብብዝሒ ጸሓይ ዝጽለዉሉ ዘለዉ ወቕቲ፡ ካብ መንሽሮ ቆርበት ክጥንቀቑ ክኢላታት ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ስልግረንስካ ፕሮፌሰር ሕክምና ቈርበት ኦሌ ላርኮ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ መጠንቀቓታ መልእኽቲ፡ ተጸለውቲ ጸሓይ ቆብዕ፡ ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ክዳውንቲን መነጽርን ከይፈልዩ ተላብዩ’ሎ። ኣካላቶም ብክዳውንቲ ክከላኸሉ ዝጽገሙ እንተኾይኖም ፋክተር ፊፍቲ ወይ ልዕሊኡ ዝኾነ ሳንስክሪን ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም፡ ክብል ላርኮ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com