Friday , May 17 2024

ዜና

ናይ ቤት መግብታት መጠን ሽያጥ፡ ኣንቆልቊሉ

ለበዳ ኮሮናን ንዕኡ ንምብዳህ ተባሂሉ ዝወጹ መምርሒታት፡ ንኢንዱስትሪ ቤት መግብታት፡ ብኸቢድ ሃስይወን ይርከብ። ኣብ መላእ ዓመተ 2020፡ መጠን ሽያጥ ናይቲ ኢንዱስትሪ፡ ምስቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ20% ከምዝጎደለ፡ እዚ ማለት ድማ 26 ቢልዮን ክሮነ ከምዝበጽሕ፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ይሕብሩ። ኣብ ዓመተ 2020፡ ጠቕላላ መጠን ሽያጥ ናይቲ ኢንዱስትሪ፡ 104 ቢልዮን ክሮነ ምንባሩን እቲ 21.5 ቢልዮን ክሮነ ድማ …

Read More »

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሽወደናውያን፡ ኣመልኪቶም (Declaration)

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ መስርሕ ምምላስ ክፍሊት ግብሪ ምኽፋቱ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሽወደናውያን ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤ ከም ዘመልከቱ ተፈሊጡ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ዘመልከቱ ሽወደናውያን፡ 1 ሚልዮንን 40 ሽሕን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቁጽሪ፡ 766 ሽሕ ምንባሩ ይዝከር ክብል ቤት ጽሕፈት ኤጀንሲ ግብሪ ሽወደን (ስካትቬርከት) ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ ሰባት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ከመልክቱ ምኽኣሎም፡ …

Read More »

ኬንያ፡ ዕዳኣ ንኽትሽፍን፡ ወደባ ኣሕሊፋ ንቻይና ኣይክትህብን እያ

ሃገረ ኬንያ፡ ብልቓሕ ቻይና ዝሃነጸቶ መንገዲ ባቡር ንምኽፋል ስለ እተጸገመት ወደባ ኣሕሊፋ ንቻይና ክትህብ እያ ዝብል ጸብጻብ ሓሶት እዩ ክብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኬንያ፡ ኡኩር ያታኒ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ 472 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር ካብቲ ንቡር ኣህጒራዊ ዋጋ ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ ፈለማ እተገመቶ ኸኣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ምውድኡ እዩ ዝንገረሉ። ሓንቲ ጋዜጣ፡ ኬንያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣለቃሕቲ ቻይና ንወደብ ሞምባሳ ክቈጻጸርዎ …

Read More »

ዕጡቓት ሞዛምቢክ፡ ህጻናት ከይተረፈ ይስይፉ ኣለዉ።

እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ካብክ ዴላጋዶ ክሳብ 11 ዝዕድሜኦም ህጻናት ከይተረፈ ይስይፍ ምህላዎም ህጻናት ኣድሕን ዝተባህለ ናይ ረድኤት ትካል ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ። ሓንቲ ኣደ ምስ ካልኦት ህጻናት ኣብ ዝተሓብኣትሉ በዓቲ ኮይና 12 ዝዕድሜኡ ወዳ ብኸምዚ ኣገባብ ክቕተል ከም ዝረኣየት ገሊጻ’ላ። ንሳ፡ ኣብታ ምሸት ዓድና ኣትዮም ሰባት ድሕሪ ምቕታል ኣባይትና ኣቃጺሎሞ፡ ወደይ ክቕተል እናረኣኹ ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን፣ ምኽንያቱ ንኣይን ዝተረፉ …

Read More »

ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ተመሊሱ

ወዲ 39 ዓመት፡ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ድሕሪ 5 ዓመታት፡ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ከምዝተመልሰ፡ ኮሚሽን ስፖርት ሽወደን ሓቢሩ። ኢብራሂሞቪች፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ ካብ ዓመተ 2001 ክሳብ ዓመተ 2016 ኣብ ዝተጻወተሉ እዋን፡ 112 ጸወታታት ኣካይዱ 62 ሸቶታት ከምዘመዝገበ ይፍለጥ። ኣብ ዕለት 25 መጋቢት፡ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ ኣንጻር ጆርጅያ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ ኣንጻር ኮሶቮ፡ ዕለት 31 መጋቢት ድማ ምሕዝነታዊ ጸወታ ኣንጻር …

Read More »

ሓፍቲ ኪም ጆንግ ኡን፡ “ኣሜሪካ ሕማቕ ጨናኺ ኣክብልና” ትብል።

ገዚፍ ፖለቲካዊ ጽልዋ ከም ዘለዋ እትፍለጥ ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣሜሪካ ሕማቕ ጨናኺ ኣክብልና ክትብል ኣጠንቂቕ ክትብል ገሊጻ። እዚ ዝኾነ ምኽንያት፡ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ፖሊሲ ሰሜን ኮርያ ንምሕንጻጽ ኣብ ምድላው እናሃለወ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ነተን ልፍንታዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ዘካይዳ ዘለዋ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ነቒፉ’ሎ። ሰብመዚ ኣመሪካ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምግባር ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ–ሲኦል …

Read More »

ሃለዋት ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ፧

ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ፡ ጆን ማጉፉሊ፡ ናይ መጨረሽታ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተራእየሉ እዋን፡ ቅድሚ 17 መዓልታት እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎን እንታይ ከምዘጓነፎን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን። ብሕማም ኮቪድ-19 ተለኺፉ ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብሉ ወገናት ክህልዉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ይስምዑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብቲ ሃገር፡ ንህላውነት ፕረዚደንት ምሕታት፡ ዘእስር ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ ውን ገለ ወገናት ይሕብሩ። …

Read More »

ሱዳን፡ ርቡዓዊ ሽምግልና ክህሉ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪባ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ደብዳቤ ምልኣኹ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ደብዳቤኡ፡ ሓምዶክ፡ ኣርባዕቲአን ኣካላት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ሓጽቢ ዘለዓዓሎ ክርክር ክሽምግላ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ። ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሱዳን ብሰኑይ ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ፡ ሓምዶክ፡ በቲ ኢትዮጵያ ከተካይዶ እትሓስብ ዘላ ካልኣይ ምምላእ እቲ ሓጽቢ …

Read More »

ክትባት ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣብ ሽወደን ውን ኣቋሪጹ

ሃገረ ሽወደን፡ ብፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ምኽታብ፡ ንግዚኡ ከምዘቋረጸቶ ድሕሪ ምሕባር፡ እዚ ናይ ምቁራጽ መስርሕ፡ ንሓጺር እዋን ጥራይ ክኸውን፡ ኣወሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ በርግስትሩም፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ድሕሪ’ቲ እቶም ንክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝወሰዱ ሰባት፡ ናይ ደም ምርጋእን መድመይትን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣጋጢምዎም ብዝብል ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ምርኩስ ብምግባር ነዚ …

Read More »

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት፡ 250 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ከም ተወሳኺ፡ ንሸወደን ክዕደላ እዩ

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ናይ ዓመተ 2021፡ ሽወደን፡ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነ፡ 250 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ክትርከብ ምዃና ኣዋሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ በርግስትሩም፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብመሰረት ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ካብ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝኾነ ክታበት፡ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ 1.2 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ 1.5 ሚልዮን ብልቃጥ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com