Friday , April 26 2024

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት፡ 250 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ከም ተወሳኺ፡ ንሸወደን ክዕደላ እዩ

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ናይ ዓመተ 2021፡ ሽወደን፡ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነ፡ 250 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ክትርከብ ምዃና ኣዋሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ በርግስትሩም፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብመሰረት ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ካብ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝኾነ ክታበት፡ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ 1.2 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ 1.5 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ድማ 1.8 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትርከብ መደብ ከምዘሎን እዚ 250 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ድማ ተወሳኺ ክኸውን ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ዝውሰኽ ብዝሒ ክታበት፡ ብጣዕሚ ልዑል ኣገዳስነት ክህልዎ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ እዋን ጉዕዞ ዘጋጥም ህጓፈት ክመልእ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልኣይ ሸነኹ ድማ እተን ሃገራት ዝኽተለኦ ናይ ክታበት ስትራተጂ፡ ንኽትዓጻጸፋ ከኽእለን እዩ ክትብል ኦርሾላ ቮን ደር ለይን ሓቢራ።

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት፡ ኩባንያ ፋይዘር፡ ተወሳኺ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ንኤውሮፓዊ ሕብረት ክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com