Friday , May 17 2024

ዜና

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ ጀርመን፡ ንሰልፊ AFD ኣብ ትሕቲ ምክትታል የእቱ

በዓል መዚ ምክልኻል ቅዋም ጀርመን (BFV) ንሰልፊ AFD (Alternative für Deutschland) ኣብ ትሕቲ ምክትታል ከምዘእተዎ ጋዜጣታት ሱደይቱስዛይቱንን ደርሽፒኾል (Süddeutsche Zeitung and Der Spiegel) ካልኦት መርበብ ሓበሬታት ኣቃሊሐን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ BFV ንንውሕ ዝበለ እዋን ንሰልፊ AFD፡ ኣጀንዳ ናይ የማናዊ ጥሩፍ ኣተሓሳስባ ከይህልዎ ብጥርጣረ ክዕዘቦ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ጉዳይ እቲ ሰልፊ ከም “ዝተጠርጠረ ጉዳይ” ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ምክትታል …

Read More »

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሓደ ምስ ማዕከን ዜና AFP፡ ሓደ ምስ ቢቢሲ፡ ሓደ ምስ ፋይናንሽያ ታይምስን ሓደ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ሜድያ ዝሰርሕን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ኣብ ከተማ መቐለ፡ ብሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር። እዞም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት፡ ትማሊ ሮቡዕ፡ ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም ከምዘለዉ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ። ኣንጻር እዞም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ብወግዒ ዝቐረበሎም …

Read More »

ኣብ ናይጀርያ፡ ተጨውዮም ዝጸንሑ 42 ሰባት ተለቒቖም

ብዕለት 17/02/2021፡ ካብ ኣብ ሴሜን ናይጀርያ እትርከብ መንግስታዊ ኮሌጅ ሳይንስ ካጋራ፡ 27 ተማሃሮ፡ ሰለስተ ኣባላት ስታፍን 12 ኣባላት ስደራቤቶምን፡ ብድምር 42 ሰባት፡ ብሓደ ዕጡቕ ጒጅለ ተጨውዮም ምንባሮም መደበር ዜና ኣልጀዚራ ሓቢራ ምንባራ ይዝከር። እዞም ሰባት ቅድሚ ምፍትሖም ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ዞባ ዛምፋራ ካልእ ጭውያ ከምተኻየደን፡ ኣብቲ ስርሒት፡ 300 ደቂ ኣንስትዮ ብጉጅለ ዕጡቓት ከም እተወስዳ እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ …

Read More »

ምክትል ፕረዚደንት ዚምባብዌ፡ ብሰንኪ ክሲ ጾታዊ ቅለት፡ ስልጣኑ ይሓድግ

ምክትል ፕረዚደንት ሃገረ ዙምባብዌ፡ ኬምቦ ሞሃዲ፡ ዝቐረበሉ ክሲ ጾታዊ ቅለት ንሰሙን ዝኣክል ክኽሕድ ድሕሪ ምጽናሕ ስልጣኑ ብፍቓዱ ሓዲጉ’ሎ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ። 71 ዝዕድሜኡ፡ ሞሃዲ፡ ብናይ ድምጺ ምምስሳል፡ ግዳይ ዓሎቕ ኮይነ ኣለኹ ብምባል ንገዛእ ርእሱ ምክልኻል ምቕጻሉ ተገሊጹ። ሓንቲ ዲጂታላዊት ጋዜጣ፡ ምስ ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ እንተላይ ንሱ ዝእዝዘን መሳርሕቱ ጽዩፍ ናይ ተሌፎን ዕላላት እናኣካየደ ብድምጺ ኣሰንያ ኣቕሪባ’ላ። ንሱ ደጋጊሙ፡ ግዳይ ምዝንባዕ ሓበሬታን …

Read More »

ኣብ መንስትሮስ (Mönsterås) እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ለበዳ ኮሮና፡ ኣስፋሕፊሑ

ኣብ መንስትሮስ (Mönsterås) እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ለበዳ ኮሮና፡ ከምዝተራእያን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት፡ 30 ተማሃሮን 20 መማህራንን ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ጋዜጣ ባሮሜተርን (Barometern) ኣብ ዓምድታቱ ኣስርፊሩ። እዞም ቁጽርታት፡ ክሳብ ሕጂ ተፈሊጦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ወለዲ፡ ኩነታት ደቆም ተኸታቲሎም ሓበሬታ ምስ ሃቡና፡ እቲ ቁጽሪ ክዛይድ ተኽእሎታት ኣሎ። ስለዚ፡ ወለዲ ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህታት ይኹኑ መዋእለ ህጻናት፡ ተቐላጢፎም ሓበሬታ ከመሓላልፉ …

Read More »

ጀርመን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ይውስኽ

ኣብ ወርሒ የካቲት 2021፡ ኣብ ጀርመን፡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክሳብ 2.7 ሚልዮን ምብጽሑ እዚ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ብ 9 ሽሕ ከምዝወሰኸ ጀርመናዊ በዓል መዚ ስታትስቲክስ ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ክሳብ 6% ምብጽሑ እቲ በዓል መዚ ብምውሳኽ ገሊጹ። ካብ ወርሒ ሰነ 2020፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንፈለማ ግዜ ክልዕል ከምተራእየ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ የካቲት፡ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ኣብ መክሲኮ ሓደስቲ ናይ ስደተኛታት ቴንዳታት ክረኣዩ ጀሚሮም

ሰብ መዚ መክሲኮ፡ ኣብ ዶብ መክሲኮን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ መዓስከራት ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቚባ፡ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ምንጪታት መንግስቲ ሓቢሮም። ኣብቲ ጥቓ ቴክሳስ ዝርከብ ማዓስከር ማታሞሮስ፡ 700 ዝኾኑ ስደተኛታት ከም ዘለዉ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ይገልጽ። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ዕቚባ ንምሕታት ጒዳዮም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ክረኣየሎም ዝጸንሑ …

Read More »

ሃገረ ናይጀርያ፡ ቀዳማይ መድራኽ ክታበት ኮሮና ተረኪባ

ሃገረ ናይጀርያ፡ ካብ ዓለማዊ ፕሮግራም ኮቫክስ፡ 3.9 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮና ከምዝተረከበ ማዕከናት ዜና ይሕብሩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ እቲ ቁጽሪ፡ ናብ 84 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክብ ክብል ተስፋ ተገይሩ ኣሎ። ሃገረ ናይጀርያ፡ ካብ ዓለማዊ ፕሮግራም ኮቫክስ፡ ክታበት ኮሮና ካብ ዝተረከባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ እታ ሳልሰይቲ ሃገር እያ። ኣቐድም ኣቢለን ሃገራት ጋናን ኮትዲቭዋርን ካብ ኮቫክስ ክታበት ኮሮና ተቐቢለን ስርሐን ከምዝጀመራ …

Read More »

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንህዝቢ የመን ሞት ኣይንፍረዶ ክብል ተማሕጺኑ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ሞት ይእወጅ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። ንሱ ኣብታ ብኲናት እትሳቐ ዘላ የመን፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ብምቕራብ፡ ህዝቢ ካብ ዓጸቦ ንምድሓን ተባሂሉ ካብ ዝተኻየደ ኣህጒራዊ ሓገዝ ፍርቁ ጥራይ ከም እተረኽበ ገሊጹ’ሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሽወደንን ስዊትዘርላንድን ኣቢሉ ብሰኑይ ናይ 3.85 ቢልዮን ዶላር ምትእኽኻብ ሓገዝ እኳ እንተጸውዐ፡ እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ፡ 1.7 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑን …

Read More »

ኣብ ዴኒማርክ፡ ጽዕነት ዕጸ ፋርስ ተታሒዙ

ፖሊስ ዴኒማርክ፡ ካብ ፖሊስ ጀርመን ብዝመጾ ሓበሬታ ተሓጊዙ፡ ካብ ብራዚል ናብ ዴኒማርክ ኣብ ኮንቴነር ተጻዒኑ  ዝበጽሐ 325 ኪሎ ግራም ኮኬን ዝዓይነቱ ዕጸ ፋርስ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ፖሊስ ጀርመን፡ ህላውነት ናይቲ ኣብ ኮንቴነር ተጻዒኑ ዝመጸ ኮኬን፡ ኣብ ጀርመናዊት ወደብ ብረመርሃቨን ምስ በጽሐ ከምዝፈለጦን ናብቲ ክራገፈሉ ዝተመደበ ቦታ፡ ዴኒማርክ፡ ንኽሓልፍ ከምዝገበረን ተፈሊጡ።    ፖሊስ ዴኒማርክ፡ ነቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com