Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ መምርሒ ፍቓድ መኪና ተመንጢሎም

ኣብ ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ኣስታት 20,303 መምርሒ ፍቓድ መኪና ከምተመንጠለን (ከምተሳሕበ) ምስ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብልዕሊ 10% ወሲኹ ክብል በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ከም ዘቃልሐ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ መጠን ብዝሒ ናይ ዝተመንጠሉ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ ክዓቢ ተራእዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ፡ ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ንብዙሓት ጥሕሰት ሕጊ ዝፈጸማ መካይን ደው …

Read More »

ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንውሱናት ዓይነት ኣልባሳት ዝምልከት፡ መምርሒ ኣውጺኣ

ኣብ ዮቶቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ የንሰን (Jensen)፡ ንኣለባብሳ ተማሃሮ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ከምዘውጸአት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብ ሚዩኪስቢክሶር (mjukisbyxor) ዝፍለጥ ናይ ለይቲ ስረ ዝመስል ምኽዳንን ኣብ ሽምጢ ዝእሰር ቦርሳ ጌርካ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምጻእ ከምዝኸልከለት ሓቢራ። ንኣለባብሳ መማህራን ዝምልከት መምርሒ ኣለና። ናብ ትምህርቲ ክመጹ እንከለዉ ምሉእ ኣቓልቦ ንኽገብሩ ከምዝሓገዞም ይዛረቡ። ተመሳሳሊ ዓይነት መምርሒ ድማ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮና ኣመሓላሊፍና ኣለና። …

Read More »

መምርሒ መንግስቲ ሽወደን፡ ንብዝሒ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዝምልከት

ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ መላእ ኤውሮፓ፡ ይቀላቐል ኣብ ዘሎ እዋን፡ መምርሒታትን ምኽርታትን ሰብ መዚ ጥዕና ከም እንደገና ኣብ ትግባረ ክውዕሉ መጸዋዕታት ይመሓላለፉ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንናይ ምትእኽኻብ ቀይዲ ካብ 50 ሰብ ክብ ክብለሉ ዝኽእል መንገድታት ንኸናድዩ ንዝምልከቶም ኣካላት መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ምትእኽኻብ ክሳብ 500 ሰብ ክኸውንን ሰባት ኣብ መንጎኦም ናይ 1 ሜትሮ ጥራይ …

Read More »

ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ሽወደን፡ ዓሌትዊ ፍጻሜ ኣጋጢሙ

ሰንበት ምሸት፡ ኣብ መንጎ ሽወደናውያን ክለባት እስክሊስቱናን ኡምዮን ዝተካየደ ጸወታ፡ ሓላዊ ልዳት እስክሊስቱና ዝኮነ ጆሽዋ ዊክስ፡ ግዳይ ዓሌታዊ ተግባር ከም ዝኾነ ክለቡ ኣፍሊጣ። ክለቡ ከም ዝሓበረቶ ሓላዊ ልደት፡ ጆሽዋ፡ ካብ ሓደ መቐናቕንቲ ተጻዋታይ እዚ ሕማቕ ተግባር ከም ዝበጽሖ ገሊጻ። ማዕከናት ዜና ዘመሓላለፍኦ ስእላዊ ሓበሬታታት ከምዝገለጾ ፡ ጸወታ ምስተወድአ ጆሽዋን ሌክስን በቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ሕርቃኖምን ብስጭቶምን ኣብ ገጾም ግሁድ ከምዝነበረ ኣብሪሀን። …

Read More »

ዘይምሕር መስመር ምጥቃዕ ሊቨርፑል ክብሪ ቻምፕዮን ክዕቅብ ብቕዓት ከምዘለዎ የመስክር

ትማሊ ምሸት ትጽቢት መላእ ኣፍቀርቲ ክግብረሉ ዘምሰየ ግጥማ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ብዓብላለነት ሊቨርፑር ተዛዚሙ። ክለብ ኣርሰናል ቅርጺ ዘይብሉ ኣሰላልፋ ብምኽታል ተጻወታ ኣንፈቶም ብምጥፋእ ኩዑሶ  ንምቑጽጻር ዝተሽገርሉ ብቅልጣፈ ተጻወቲ ሊቨርፑል ብፍላይ ንስሞም ናይ ማእዝን ተኻላኸልቲ ግን ድማ ስርሖም ሪኢኻ ካብ ዓጥቃዕቲ ዘይ ሓምቑ ኣለክሳንደር ኣርኖድን ሮበርትሶን  ክድነቑ ዝግብኦም ናይዚ ጸወታ ኮይኖም እዮም። ቡዝሓት ደገፍቲ ኣርሰናል ለውጢ ጋንትኦም ክርእዩ ዝተመነይሉ ጸወታ ብምንባሩን እንተኾነ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ናይ ሓንቲ ብኮሮና ዝተለኽፈት ሽወደናዊት ዩኒቨርስቲ፡ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ወሲኑ

ኣብ ቨስትሮስ እትርከብ ዩኒቨርስቲ ሜላዳለን (Mälardalen)፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ጽምብል ናይ ተማሃሮ፡ ለበዳ ኮሮና ብምስፍሕፍሑ፡ ምምሕዳር’ቲ ዩኒቨርስቲ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንውሱናት ተማሃሮ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ዓውደ ቁጠባ ዝመሃሩ 31 ተማሃሮ፡ ብቫይረስ ከምተለኽፉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ነቲ ዝተራእየ ለበዳ ንምቁጽጻር፡ ምምሕዳር’ቲ ዩኒቨርስቲ ምስ ኣሃዱ ምክልኻል ለበዳ ብምትሕብባር፡ ንኽልተ ሳምንታት ዝኣክል ነቶም ተማሃሮ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክህብ ወሲኑ። መብዛሕትኦም ብቫይረስ …

Read More »

ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን፡ ብሓሶት ዝተማህዘ ሲቪ (CV) ከምዘቕረበ ተፈሊጡ ተባሂሉ

ኣብ ወሳኒ መዝነት ናይ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ዝሰርሕ ዝነበረ በዓል ስልጣን፡ እቲ ንታሪኽ ናይ ስራሕ ተሞክርኡን ደረጃ ትምህርቱን ዝገልጽ ዘቕረቦ ሲቪ (CV) ዝተተምየነ ምንባሩ ዳጊንዝ ኒሄተር ኣቃሊሑ። ነዚ ጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሄተር ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ከምዘረጋገጾ ተፈሊጡ። መዝነት ናይቲ በዓል ስልጣን፡ ንሓያልን ድኹምን ጎንታት ሓይልታት ምክልኻል ኣጽኒዑ፡ ንዓበይቲ ሰበ ስልጣን ምኽርታት ዝህብ ዝነበረ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ሓይልታት ምክልኻል …

Read More »

ኩባንያ ፕሪም፡ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባቱ ኣቋሪጹ

ኩባንያ ፕሪም (Preem)፡ ኣብ መጻረይ ነዳዲ ሊሰሺል (Lysekil) ንኽፍርዮ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ነዳዲ መደቡ ከቋርጾ ከም ዝወሰነ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኩባንያ ፕሪም፡ ነዚ ውሳኔ ምምሕልላፉ፡ ኣብ ንግዳዊ ዳኣ እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ረቛሒታት ዝምርኮስ ኣይኮነን ክብል ገሊጽዎ። ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንቑጠባ ዓለም ብኣሉታ ጸልይዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንፍርያት ነዳዲ ውን ብኡ መንጽር ጸልይዎ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኩባንያ ፕሪም ድማ ነቲ መዲብዎ ዝነበረ ፕሮጀክት …

Read More »

ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ሓገዝ እንዳ ረኸቡ ንኽመሃሩ ክፍቀደሎም ይግባእ ተባሂሉ

ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ክሳብ ናይ ሓደ ዓመት ዝኣክል ረብሓታት እንዳ ረኸቡ ክመሃሩ ክኽእሉ እዮም። ንኣብነት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምዝዛም። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን፡ ነቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ናብ ሞያዊ፡ ናብ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ንኽኸዱ ክመርሖም ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን፡ ዝያዳ ዕድላት ትምህርቲ፡ ንስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ይፈጥር ኣሎ ክትብል ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ግጥም ፕሪመር ሊግ ሊቨርፑል ምስ ኣርሰናል

ን መሳልል ፕሪመር ሊግ መን ብ ሙሉእ ነጥቢ ብመርሒነት ንምቕላስ፣ ሎሚ ምሸት ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ካብ ዝካየድኦ ክልተ ጸወታታት ሙሉእ ነጥቢ ሒዘን ዘለዋ ን ክብሪ ቻምፒዮንነታ ንምዕቃብ ትቃለስ ዘላ ሊቨርፑልን ኣርሰናል ዓቢ ግጥም ክእንገድ እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ኣብ ኣንፊልድ ዝእንገድ ኮይኑ ብወገን ዳንነት ድማ ብ ማእከላይ ዳኛ ክረይ ፓውሰን ክምራሕ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ብወገን ኣርሰናል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com