Monday , May 13 2024

ጥዕና

ምኽላእ ዓንቐር

ዓንቐር ብናይ ባህላውን ሕክምናውን ብመጥባሕቲ ምስትኽላእ ምኽላእ ዓንቐር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዓንቐር እንታይ እዩ ስርሓ? ዓንቕር ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣብ መስርሕ ምውሓጥ መግቢ ትጻወት።ዓንቐር ኩሉ ግዜ መግብን መስተን ብቐጥታ ኣብ ሻምብቖታት ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ወይ ጎሮሮ ከምዝወረደን ከምኡውን ሻምብቖታት ስርዓተ ምስትንፋስ ከየላገሰ ከምዝሓለፈ ተረጋግጽ ኣካል እያ።ብተወሳኺውን ዓንቐር ኣብ እንዛረበሉ ድምጺ ተራ ኣለዋ። ምኽንያት ምኽላእ ዓንቐር: ኣብ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት …

Read More »

ሆስፒታላት ሽወደን ብሕጽረት ነርስታት ይሳቐያ!!

ብምኽንያት ዓመታዊ ዕረፍቲ ነርስታት ካብ ሆስፒታላት ብምብኳሮም ሆስፒታላት ሽወደን ብሕጽረት ነርስታት ኣብ ቅልውላው ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ምኽንያት እቶም ኣብ ስራሕ ዘለዉ ነርስታት ካብቲ ልሙድ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ይሰርሑ ኣለዉ ተባሂሉ። “እዚ ኣካይዳ ንጥዕና ሕሙማት ይኹን እቶም ዝኣልይዎም ነርስታት ጽቡቕ ኣይኮነን” ብምባል ማሕበር ክንክን ጥዕና ሽወደን ኣጠንቂቑ። ብዙሓት ነርስታት ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ብምግዳዶም ኣደዳ ጭንቀትን ድኻምን ይኾኑ ኣለዉ ዝበለ እቲ ጸብጻብ …

Read More »

ቊጽሪ ንሕማም ኣእምሮ ዝቃልዑ ሽወደናውያን ይውስኽ!!

ንወጻኢ ዝጐዓዙ ሽወደናውያን ብሕማም ኣእምሮን ስነልቦናን ይጥቅዑ ምህላዎም ሚኒስተር ንኤምባሲታት ሽወደን ብምጥቃስ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስትሪ ብኣዝማድን መቕርብን እዞም ግዳያት ሕቶታት ከም ዝቐርበሉ ገሊጹ’ሎ። ንወጻኢ ዝጐዓዝ ሽወደናዊ ናይ መዓልታዊ ልማዱ ብምዝላቕ ሒደት ሰዓታት ክድቅስ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ብዘይዓቐን ክወስድ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ በዓልመዚ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ምስ ሬድዮ ሽውደን ኣብ ዝገበሮ ዕላል ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ጸቕጢ ጸቕጢ

ጸቕጢ፡ ኣብ ህይወትና ከጋጥም ንዝኽእል ክብታን ለጠቕታን ናይ ሞራል’ዩ። እዚ ክስተት ኣብ ገለ ሰባት ጸጸኒሑ ዝርአ ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ሰባት ግን እቲ ናይ ቅዛነት መንፈስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበረኸን እናዛየደን ክኸይድ ይኽእል። እዚ ስምዒት’ዚ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ምሳና ምስ ዝቕጽል ኣብ ልዕሊ ነብስና ጽልኣት ብምሕዳር ናብ ዘይተደልየ ስምዒታዊ ስጉምቲ ክመርሓና ዝኽእል ሕማም’ዩ። ነብስና ዋላ ሓደ ኣበርክቶ ክህልዋ ዘይክእል፡ …

Read More »

ጸጕሪ ርእስናን ጥዕናናን

እንሓንሳእ ጸጕርና ልዕሊ ካልኦት ክፋላት ኣካላትና ብዛዕባ ጥዕናና ከም ዝዛረብ ንፈልጥዶ? እስከ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ንርኣዮም’ሞ፡ ነቲ ሓቂ ንገንዘቦ። ዝልከ ሕብርታት ጸጕሪ ርእሲ፡ መንቀጺ ፎንን ኣብ ጨዋም ማይ ምሕንባስን፡ ንጸጕርና ከንቅጾ፡ ከስሕዎን ክሰባብሮን ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ምናልባት እዞም ተርእዮታት’ዚኦም ግን፡ ምልክታት ናይቲ ብሰንኪ’ቲ ብሃይፖታይሮዲዝም ዝፍለጥ ሕማም፡ ብሰንኪ ትሑት ንጥፈት ታይሮይድ (ኣብ ቅድሚት ክሳድ ዝርከብ ንናይ ኣካላት ዕብየትን ንጥፈታትን ዝጸሉ ሳብስታንስ ዘውጽእ …

Read More »

ጋስትራይት/ሕማም ከስዐ

ጋስትራይት ወይ ሕማም ከስዐ እንታይ ማለት እዩ? ጋስትራይት ማለት ነድሪ ኣብ ቀጸላ ከስዐ ብውሽጢ ክጋጥም እንኮሎ ዘጋጥም ሕማም እዩ። ጋስትራይት ግዝያዊ ወይ ድማ ሕዱር ሕማም ክኸውን ይኽእል። ሕዱር ጋስትራይት ኣብ ዝተናወሐ ግዜ፡ ቀጽላ ከስዐ ንሓዋሩ ከም ዝረቅቕን ከም ሳዕበኑ ዋሕዲ ቪታሚን B12 የስዕብ። ምልክታት ጋስትራይት ● ምልክታት ሕዱር ጋስትራይት ግዝያዊ ጋስትራይትን ተመሳሰልቲ እዮም። ● ዕግርግር ምባል ● ቃንዛ ከስዐ ● …

Read More »

ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኣዕዋፍ ኣብ ሽወደን ስግኣት ፈጢሩ ተባሂሉ!!

ሰብመዚ ጥዕና ሽወደን ትሮፒካዊ ቫይረስ ኣዕዋፍ ንጥዕና ሰብን ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ኣፍራስን ይሃሲ ከይህሉ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ። ትካል ሃገራዊ ክታበት ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝሞተት ዑፍ እንተርእዩ ናብ ዝምልከቶ ደዊሉ ከፍልጥ ሓቢሮም ኣለዉ። ክልተ ዓይነታት ቫይረስ ኣዕዋፍ ድሮ ኣብ ሰሜን ጀርመን ከም እተረኽቡን ናብ ሽወደን በጺሖም ከይኮኑ ዝብል ሻቕላ ምህላዉን ተገሊጹ’ሎ። እዞም ቫይረስ ንኣዕዋፍ ኣዝዮም ሓደገኛ ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ጥዕና፡ ብሕማም ረስዕ ከጋጥም ዝኽእል መጠን ስቓይ ምቁጽጻር ይከኣል’ዶ ይኸውን?

ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ግዳይ ሕማም ረሲዕ ዝኾነ ሰብ እንተሃልዩ፡ ጥዑይ መነባብሮ እንተድኣ ተኸቲሉ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከጋጥሞ ንዝኽእል ናይ‘ቲ ሕማም ሓደጋ ከጉድል ከም ዝኽእል ውጽኢት ምርምር ኣመልኪቲ። ብመሰረት’ቲ ኣብ ኣስታት 200,000 ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ሓደጋ ብሓደ ሲሶ ነኪዩ። እቶም ውጺኢታት መጽናዕቲ ዘሕጉሱን ዘበራትዑን ከም ዝኾኑ ተገሊጹ’ሎ። “ሰባት ድማ ኣብ ሕማም ረሲዕ ኣይክሽመሙን’ዮም” ኢሉ እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ …

Read More »

ልዑል ጸቅጢ ደም

ብ ማእከላይ ገምጋም ዓቀን ደምና 140 ወይ ድማ ካበኡ ንላዕሊ ምስ ዝከውን ልዑል ጸቕጢ ደም ክንብሎ ንክእል። ሎዑል ጸቕጢ ደም ጠንቂ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ልብን ጅማውትን ሕማማት እዩ። እንድሕር ደኣ ነዞም ዝስዕቡ ምክርታት ተኸታቲልናዮም ብሕማም ልቢ ወይ ድማ ናይ ጅማውቲ ሕማማት ክንሓምም ዘሎ ተኽእሎ ይጎድል ።ሓሓደ ጊዜ እውን ልዑል ጸቕጢ ደም በዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ክጎድል ይክእል እዩ።• ሽጋራ ምትካኽ ምቁራጽ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ሕጽረት ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና የጋጥም ኣሎ !!

ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ዝርከቡ ሕሙማት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ሓደ መዓልቲ ምሉእ ይጽበዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ሽወደን ዘሎ ሕጽረት ነርስታት ብፍላይ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ተገሊጹ። ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤናት የርኢ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ Ekot ዳይረክተር ሆስፒታል ሱንደርክ ማትያስ ሞሪን ሕሙማት ክፍሉ ህጹጽ ሕክምና ክትትል ከይተገብረሎም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com