Wednesday , May 15 2024

ጥዕና

ገለ ነገራት ብዛዕባ ሎሚ ሰኑይ ክጅመር እዩ ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ እገዳ ምትካኽ!!

ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምትካኽ ካብ ጽባሕ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ እጉድ ክኸውን እዩ። እንተኾነ ሬድዮ ሽወደን Ekot ከም ዘመልከተቶ እዚ ሕጊ ኣብ ተግባር ኣብ ምውዓል ክረኣዩ ዝግብኦም ገለ ጒዳያት ኣለው። እዚ ሕጊ እገዳ ምትካኽ ኣበይ ምዃኑ ብልክዕን ብዝርዝርን ኣየቐመጠን። ኣብያተ መግቢ ኣብ ቀጽረን ምትካኽ ዝኽልክላ ባዕላተን ድየን፡ ድሕሪ ምዕጻወንከ ምትካኽ ክፍቀድ ድዩ ኣብ ዝብል ዝተባህለ ነገር የለን። ብዘይካዚ ይብል ሬድዮ ቪበር …

Read More »

ንነዊሕ ግዜ ምጉሃይ (deprimerad)

ንልዕሊ ክልተ ሳምንታት ወይ ልዕሊኡ  ጓህን ድኻምን እንተ ተሰሚዑካ ኣብ ከቢድ ጓሂ (deprimerad) ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብርቲዕ ድኻምን፣ ድቓስ ምእባይን ክገብረልካ ይኽእል። ካብ ንብር ወጻኢ ኣዚኻ ክትጠሚ ወይ ከይትጠሚ ትኽእል ኢኻ። ናይ ምትኳር ዓቕምኻ ክጎድልን ብቕሊሉ ክትቕጣዕን ትኽእል። ቅድሚ ሕጂ ትፈትዎም ዝነበርካ ነገራት ከሰልችውኻ ወይ ትርጉም ዘይብሎም ኮይኖም ክስምዑኻ ይኽእሉ። ምናልባት ብጣዕሚ ብዙሕ ትሓስብ ትህሉ። ብሂወት ምንባር ኣይክእልን ኢየ ኢልካ ክትሓስብ …

Read More »

ብድቁሶም ኣብ ገዛ ዝዛወሩ ሰባት ዘካይዱዎ ንጥፈታት

ድቃስ፡ ሰላምን ህድኣትን ዘለዎ ንጥፈት እዩ። ዝበዛሕና ሰባት ሰዓታት ድቃስና ኣኺሉ ናብ መደቀሲ ዓራትና ምስ ደየብና፡ ማዕጾ ሸጒርና መፍትሕ ክንሓብእ ኣይንግደድን ኢና። ወይ’ውን በላሕትን ሓደገኛታትን ነገራት ከነርሕቖም ኣይንሓስብን ኢና። ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከብ ህዝቢ፡ እቲ ኣስታት ሓደ ሚእታዊት ብድቁሱ ዝዛወር ሰብ (ዓዋጂ) ምዃኑ ኣብ’ዚ ዓውዲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ዝሕብሩዎ’ዩ። እዞም ከምዚ’ኦም ዓይነት ሰባት፡ እዚ ክስተት ዳርጋ ክልተ ግዜ ኣብ ወርሒ’ዩ …

Read More »

ኣብያተ መግቢ ሽወደን ካብ መላእ ዓለም ኣብ ማእከላይ ደረጃ ይስርዓ!!

ኣብያተ መግቢ ሽወደን ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል 21 ካብ 50 ይምደባ። ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ቤት መግቢ Frantz’en እዩ ካብ 50 ዝበለጻ ኣብያተ መግቢ መበል 21 ተረቚሑ። እዚ ውድድር ኣብያተ መግቢ ኣብ ሲንጋፖር ብሰሉስ እዩ ተኻይዱ። ፈረንሳዊ ቤትመግቢ ሚራዡር ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ተባሂሉ። እዚ ተርታ ብሞይውያን ምእንጋድን ኣገልግሎትን ሆቴላትን ዝወሃብ ኮይኑ ብዙሓት ካልኦት ግዱሳት ከም እተሳተፍዎ’ውን ተገሊጹ። ኣብዚ ተርታ …

Read More »

መከላኸሊ ጸሓይ ዘፍርያ ኩባንያታት ሕጊታት ኣይስዕባን ኣለዋ ተባሂሉ!!

ትካል መድሃኒት ሽወደን መከላኸሊ ጸሓይ ተባሂሉ ዝፈሪ ቅብኣታትን ክሬማትን ምስ ሕጊታት መድሃኒት ሽወደን ኣይከይድን ኣሎ ክብል ወቒሱ። ንኣብነት ኣብቲ ብልቃጣት ኣድላዪ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ የብሉን ክትብል ሻርሎት ዦርቤክ ወቒሳ።፡ ንሳ ብጹሓት ክሳብ 6 ማንካ መከላኸሊ ጸሓይ ክወስዱ ዝግብኦም ብዙሓት ሰባት ከምኡ ኣይገብሩን ዘለዉ ኢላ። ኣብ መላእ ዓለም መንሽሮ ቆርበት እናዓበየ ምምጽኡን ብፍላይ ኣብ ኒውዚላንድ ኣውስትራልያን ስዊትዘርላንድን ብዙሕ ከም እተራእየ ተሓቢሩ። …

Read More »

ኦሞሬድዮ

ኦሞሬድዮ ሕበጥ ኣብ ልፋጫዊ መንደቕ ናይ ውሽጣዊ ክፋል መዓንጣ ኾይኑ ፡ልክዕ ኣብ ቅድሚ መውጽኢ ቀልቀል ወይ ማሃንቱስ ዝርኤ ሕበጥዩ ። ኦሞሬድዮ ልዑል ጸቕጢ ኣብ መቐመጫና ወይ መሃንቱስና ምስዝፍጠር ዝኽሰት ተርእዮ እዩ።ሓያል ጸቕጢ ወይ ኢሕታ ኣብ እዋን ቀልቀል እንወጸሉ( ድርቀት ምስዝህልወና) ከምኡውን ኣብ እዋን ሕርሲ እንሓንሳብ ውን ንነዊሕ እዋን ዝቀጸለ ስዓል ምስዝህልወና ኦሞሬድዮ ክምዕብል ይኽእል። ኦሞሬድዮ ንኸይህልወና ባዕልና እንታይ ክንገብር ይግባእ? …

Read More »

ናይ ሕክምና ዶክተር ብዝገበሮ ጉድለት ይቕጻዕ!!

ኣብ ሆስፒታል ኣፕሳላ ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር ኣብ ስርሑ ብዝገበሮ ጉድለት ተቐጺዑ። እዚ ዶክተር ን 50 ሕሙማት ናይ ፈተነ መብጣሕቲ ብምክያድ ሃስያ ብምውራዱ እዩ ኣገልግሎት ጥዕና ኣፕሳላ ክቕጻዕ ዝወሰኑ። በዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ናይ ቊጽጽር ክኣቱ ጌሮም ኣለዉ። እዚ ዶክተር ካብ ዓመታት 2014 ክሳብ 2016 ልዕሊ 170 ናይ ጐሎ መጥባሕቲታት ብምክያድ ንኣደዳ ድሕረ-መብጣሕታዊ ሽግራትን ንባሪ ስንክልናን ክቃልዑ ጌሩ እዩ ተባሂሉ።

Read More »

ጥቅሚ ማይ ምስታይ ኢንታይ ኢዩ

ማይ ምስታይ ንኣካላትና ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ሓደ እኹል ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 1.5 ክሳብ 2 ሊትሮ ዝኸውን ፈሳሲ ክሰቲ ኣለዎ። ማይ ምስታይ፡ ከምኡ’ውን ሻሂን ቡንን ብዘይ ሽኮር እንዳቀያየርና እንተሰተና ንጥዕናና ጽቡቕ ኢዩ። እዞም ፈሰስቲ ኣብቲ ሓሙሽተ ዝተዛነቑ መግብታት እተርኢ ዓንኬል ውን ክንረኽቦ ይከኣል ኢዩ። ውሽጢ ኣካላትና እኹል ዝኾነ ፈሳሲ ምእንታን ክንረክብ እኹል ምስታይ ኣገዳሲ ኢዩ። ፈሳሲ ኣገዳሲ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ብዝተፈላለዩ …

Read More »

ብዙሕ ሰዓታት ምስራሕ ወቕዒ የስዕብ እዩ ተባሂሉ!!

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ ንወቕዒ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎታት ከም ዘዛይድ ኣብ ፈረንሳ ኣተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ። ብሪጣንያውያን ማሕበር ወቕዒ ነዚ ንምክልኻል እቲ ዝሓሸ ኣግባብ ምንቅስቓስ ኣካላት ምዝውታርን ጽቡቕ ኣመጋግባን እዩ ኢሎም ኣለዉ። እዞም ካብ ዩኒቨርሲቲ Ange ከምኡ’ውን ትካል መጽናዕቲታት ጥዕና ፈረንሳ እተረኽቡ መጽናዕታዊ ተረኽቦራት ከም ዝገልጽዎ ብዙሕ ምስራሕን ምትካኽን ነዚ ተኽእሎ ከዛይድዎ ይኽእሉ እዮም።

Read More »

ብከላ ከባቢ ንምቑጽጻር ሽወደን ኣብ ሳንጣታት ፕላስቲክ ወሰኽ ግብሪ ክትገብረ እያ!!

ኣብ ሻንጣታት ፕላስቲክ ወሰኽ ቀረጽ ይግበር። ኣብ ዓመተ 2020 ሓድሽ ወሰኽ ሻንጣታት ፕላስቲክ ክግበር ምዃኑ መደበር ዜና TT ሓቢሩ። ሰብመዚ ሽወደን ዕላማ እዚ ቀረጽ ሽወደናውያን ብዛዕባ ከባቢ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይን ሓደ ሰብ 40 ፕላስቲክ ንዝብል ሸቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተግባራዊ ንምግባርን እዩ። ሻንጣታት ፕላስቲክ ዓቢ ምንጪ ከባብያዊ ብከላ ምዃኖምን ብዙሕነት ህይወት ከም ዝጻባእን ይፍለጥ። እዚ ቀረጽ ንመንግስቲ ናይ 3 ቢልዮን ክሮነር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com