Friday , April 26 2024

ኦሞሬድዮ

ኦሞሬድዮ ሕበጥ ኣብ ልፋጫዊ መንደቕ ናይ ውሽጣዊ ክፋል መዓንጣ ኾይኑ ፡ልክዕ ኣብ ቅድሚ መውጽኢ ቀልቀል ወይ ማሃንቱስ ዝርኤ ሕበጥዩ ። ኦሞሬድዮ ልዑል ጸቕጢ ኣብ መቐመጫና ወይ መሃንቱስና ምስዝፍጠር ዝኽሰት ተርእዮ እዩ።ሓያል ጸቕጢ ወይ ኢሕታ ኣብ እዋን ቀልቀል እንወጸሉ( ድርቀት ምስዝህልወና) ከምኡውን ኣብ እዋን ሕርሲ እንሓንሳብ ውን ንነዊሕ እዋን ዝቀጸለ ስዓል ምስዝህልወና ኦሞሬድዮ ክምዕብል ይኽእል።

ኦሞሬድዮ ንኸይህልወና ባዕልና እንታይ ክንገብር ይግባእ?

 ብቀጻሊ ሉስሉስ ቀልቀልን ግቡእ ምንቕስቃስ መዓናጡ ንኽህልወና ንነብስና ንከናኸን።እዚ ድማ ኣብ እዋን ቀልቀል እንወጸሉ እዋን ጻዕሪ ወይ ጸቅጢ ኣይህልወናን ማለትዩ።ተኽእሎታት ናይ ጥርዓናት ድማ ይጎድል።
 ብውሑዱ ካብ 1.5–2 ሊትሮ ፈሳሲ ኣብ መዓልቲ ንስተ።
 እኹል ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ንግበር፡ብውሑዱ ፍርቂ ሰዓት ንመዓልቲ ወይ ልዕሊኡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንግበር።
 ፊይበር ትሕዝቶ ዘለዎም ዓይነታት መግቢ ምምጋብ ነዘውትር፡ከም ደባን ባኒ ፡ኩርኩሮ ወይ ዝተጨፍለቑ ስርናይ ወይ ስገም ብመልክዕ ባኒ ወይ ጥጥቖ፡ኣሕምልቲን ፍሩታታትን ልዑል ትሕዝቶ ፊይበር ኣለዎም።ፊይበር ጠሊ ናይ ምስሓብ ተኽእሎ ስለዘለዎ ኩሉ ግዜ ቀልቀልና ሉስሉስ ክኸውን ይሕግዘና።
 ሽንቲ ደገ ወይ ቀልቀል ክመጸና እንተድኣ ደልዩ ክንዓቑሮ የብልናን ብቐጥታ ሽንቲ ቤት ብምኻድ ሽንቲ ደገ ክንወጽእ ይግባእ፡ምዕቋር ሽንቲ ደገ ቀልቀልና ድሩቅ ይገብሮ ፡ድሩቕ ምስዝኸውን ድማ ጽቡቕ ኣይኮነን ፡ሽንቲ ደገ ኩሉ ግዜ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክንወጽእ ይግባእ።
 እንተድኣ ኣብ ከባቢ መቀመጫና(መሃንቱስና) ዝኾነ ነድሪ ወይ ስሓ ሃልዩና ሓርፋፍ ዝኾነ ሶፍት ናይ ሽቓቕ ክንጥቀም የብልናን።እንተኾነ ግን ዝጠልቀየ መንዲል ክንጥቀም ንኽእል ፡ምስወዳእና ድማ ግቡእ ጌርና መቐመጫና ነንቅጾ።ዝጠልቐየ ሶፍት ናይ ሽቓቕ፡ ኣልኮል ወይ ጨና ዘለዎ ክንጥቀም የብልናን።
 እንሓንሳብ ንደገ ገጹ ዝወጸ ናይ ኦሞሬድዮ ሕበጥ(ከረጺት) እንተድኣ ህድእ ኢልና ንውሽጢ ደፊእናዮ ቓንዛ ክጎድል ይኽእል።

መድሃኒት ኦሞሬድዮ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሃኒት ኦሞሬድዮ ኣብ ፋርማሲ ወይ ፍልይ ዝበሉ ሱፐርማርኬታት (ድሮኺስት) ንረኽቦም።እዞም መድሃኒታት ነቲ ዘሎና ጥርዓናት ከዕጉሱልና ይኽእሉ።ብመድሃኒት ሙሉእ ብሙሉእ ዝሓወየ ኦሞሬድዮ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መረጋገጺ ወይ መርትዖ የልቦን።
እዞም ዝስዕቡ መድሃኒታት ንጥርዓናት ኦሞሬድዮ ከጉዱሉልና ወይ ከዕጉሱልና ይኽእሉ።
 ቫዘሊንሰቶማክሮኾል ክሬም፡ዚንክ ሳልፌት ቫዘሊን ክሬም ወይ ድማ ዚንክ ኦክሳይድ ሳፖስቶ ንነድርን ስሓን መቐመጫ( ድሕሪ ቀልቀል ምውጻእና ንኹሎም ዝጠቀስናዮም ንመዓልቲ 2 ግዜ ንጥቀም።)
 ሊዶኬን ቫዘሊን ክሬም ኣብ እዋን ቃንዛ ወይ ዘቃጽል ዓይነት ስሓ (ንመዓልቲ 2 ግዜ ድሕሪ ቐልቀል ምስወጻና ክሳብ 4 ሳምንታት ጥራይ።)
 ሊዶኬን ዚንክ ሱልፋት ክሬም 2 ግዜ ንመዓልቲ ድሕሪ ቀልቀል ምውጻእና ክሳብ 4 ሳምንታት።
ተወሰኽቲ ናይዚ ምኽርታት ንቀልቀልና ሉስሉስ ክኸውን ዝሕጉዙና መድሃኒታት ኣለዉ።
ንኣብነት ላክትሎስ ወይ ማክሮኾል።

ምስ ሓኪምና(ሃውዛርትስ) ርክብ ንግበር

 እንተድኣ ደም ወይ ልፋጭ ኣብ ቀልቀልና ምስእንርኢ ከምኡውን ምንጩ ካብ ኦሞሬድዮ ምዃኑ ርግጸኛታት ምስዘይንኸውን።
 ኩሉ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ኣውዒልናዮ ክንስና ቃንዛ ወይ ጸገማት ኣብ እዋን ቀልቀል ንወጸሉ ምስዝቕጽል ።
 እንተድኣ ኣብ ኣፍ መቀመጫና ወይ መሃንቱስና ዓቢ ሕበጥን ቡርቱዕ ቃንዛን ጌይሩልና
 እንተድኣ ዝሓበጠ ኾይኑ ተሰሚዑናን ከምኡውን ኦሞሬድዮ ሙኻኑን ዘይሙዃኑን ተጠራጢርና።
እንተድኣ ካልኦት ምልክታት ዘሻቑሉና ሃልዮም ንሓኪምና ብግልጺ ጽቡቕ ጌርና ንግለጸሉ።

ምንጪ፥Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com