Monday , May 13 2024

ምኽላእ ዓንቐር

ዓንቐር ብናይ ባህላውን ሕክምናውን ብመጥባሕቲ ምስትኽላእ ምኽላእ ዓንቐር ተባሂሉ ይጽዋዕ።


ዓንቐር እንታይ እዩ ስርሓ?
ዓንቕር ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣብ መስርሕ ምውሓጥ መግቢ ትጻወት።ዓንቐር ኩሉ ግዜ መግብን መስተን ብቐጥታ ኣብ ሻምብቖታት ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ወይ ጎሮሮ ከምዝወረደን ከምኡውን ሻምብቖታት ስርዓተ ምስትንፋስ ከየላገሰ ከምዝሓለፈ ተረጋግጽ ኣካል እያ።ብተወሳኺውን ዓንቐር ኣብ እንዛረበሉ ድምጺ ተራ ኣለዋ።


ምኽንያት ምኽላእ ዓንቐር:

ኣብ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት ምኽላእ ዓንቐር ብብዝሒ ይርኤ፡ እዚ ምኽላእ ዓንቀር ድማ ምስ ተደጋጋሚ ተምላስ: ስዓል:ከምኡውን ረኽሲ ጎሮሮ ክትኣሳሰር ይኽእል ።ብተወሳኺ እዚ ምኽላእ ዓንቐር ኣብዘን ሃገራት ኣብ ንኣሽቱ ኣቖልዑት ይካየድ ምኽንያቱ ድማ ንምክልኻል ቓንዛ ርእሲ ወይ ተምላስ ተባሂሉ ይኽልኡ።ኣብ ኔዘርላንድ ሳሕቲ ምኽላእ ዓንቐር ኣብ ሕክምና ብመጥባሕቲ ይግበር እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ግን እንተ ድኣ ምዕጻው ወይ ምዕፋን እስትንፋስ ኣብ እዋን ድቓስ ዘምጽእ ኾይኑ ከምኡወን ምሕርናኽ ዘምጽእ እንተድኣ ኾይኑ ዓንቐር ይኽላእ እንተዘይኮይኑ ግን ዓንቐር እይክላእን እዩ።
ሳዕቤናት ጸገማት ምኽላእ ዓንቐር

ሳዕቤናት ምኽላእ ዓንቐር መድመይቲ ወይ ሳሕቲ ድማ ረኽሲ ከጋጥም ይኽእል ።እንተድኣ ብዘይመኸኑ መሳርሒ ቐጻሊ ምኽላእ ዓንቐር ዝፍጸም ኮይኑ ከም ምንጪ መተሓላለፊ ኤችኣይቪ ቫይረስ(HIV) ፥ ምምራዝ ደምን ከምኡውን ተታነስ(tetanus) ከጋጥሙ ይኽእል።ድሕሪዚ ድማ ናይ ኣስናን ጸገማትን ኣብ እንዛረበሉ እዋን ናይ ድምጺ ሽግር ከርእየና ይኽእል።1

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com