Saturday , May 11 2024

ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትጅምር እያ

ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ጽባሕ ዕለት 08/12/2020 ጀሚራ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትህብ ክትጅምር ምዃና ሓቢራ። ክታበት ጸረ ኮሮና ንኽወሃቦም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዖም ዘለዉ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት እዮም። እቲ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ካብ ኩባንያ ፋይዘር/ ቢዮንቴክን ዝፈረየ እዩ ክብል ብሪጣንያዊ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣቃሊሑ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ነተን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዌልዝ፡ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን ዝርከባ 50 ሆስፒታላት ከም ዝዓደሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ንጅምረሉ ሰሙን ስለዝኾነ፡ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ማት ሃንኮክ፡ ገሊጹ።

ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ እታ ቀዳመይቲ ሃገር፡ ነቲ ብኩባንያታት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝፈረየ ክታበት ጸረ ኮሮና ንኽትቅበል ዝተሰማመዐት ሃገር ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነዚ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ኣብ ዕለት 29/12/2020 ክሰማማዓሉ ከምዝኽእል ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሽወደን፡ ካብዚ ብኤውሮፓዊ ሕብረት ክጸድቕ ትጽቢት ተገይርሉ ዘሎ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ዝኸውን ክታበት ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዝቕጽል ዓመት ክወሃባ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com