Saturday , May 11 2024

ሃገራት ካብ ባህርያዊ ነዳዲ ክረሓቓ ይሰማምዓ

Credit: Henrik Montgomery

ሚኒስተር ኣከባቢ ሽወደን ሮሚና ፑርሞክታሪ ነቲ መንግስታት ዓለም ካብ ባህርያዊ ነዳዲ ክርሕቑ ዝጽውዕ ውዕል ክሊማ ዱባይ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ንዚ ኣገዳሲ ውሳነ ብዝቐልጠፈ ኣብ ትግባረ ምውዓል ነቲ ኣብ 2050 ፈነወ በካሊ ጋዝ ናብ ዜሮ ምውራድ ዝብል ሸቶ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ማ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝኾና ሃገራት ኣካል እዚ ውዕል ምዃነን ነቲ ውዕል ዝያዳ ሓይሊ ዝህቦ እዩ ክትብል ፑርሞኽታሪ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ይኹን’ምበር ከም ግሪንፒስ ዝኣመሰሉ ናይ ጎስጓስ ጉጅለታት እቲ ስምምዕ ክንድቲ ዝድለ ርሕቀት ከምዘይከይድ ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ። ሓደ ካብዚ ዕንቅፋታት ከኣ እቲ ውዕል ዋሕዲ ንጹርነት ዘለዎ ምዃኑ እዩ። እዚ ስጒምቲ ብኽንደየናይ ፍጥነት ክኸይድ ከም ዘለዎ ዝሕብር ናይ ግዜ ሰሌዳ የብሉን ክብል ክኢላ ኣከባቢ ደቪድ ሚሪኼረ ቅረታኡ ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ኮሚተ ምምሕዳር ከተማ ዮተቦሪ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ጥራይ ዝጥቀማሉ ዞባ ክህሉ፡ ካብ መጻረዪ ነዳዲ ዝወጽእ ፈነወ በካሊ ጋዝ ንምንካይ ጻዕርታት ክግበር፡ በዚ ድማ ኣሰር ካርቦን እታ ከተማ ብዛዕባ ዝንከየሉ ኣገባብ ኣመልኪቱ ይመክር ኣሎ። “ፈነወ ትኪ ናብቲ ዮተቦሪ ዘቐመጦ ሸቶታት ይወርድን የሎን” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻልመርስ ፕሮፌሰር ኣባል ዘላቒ ምንቅስቓስ ዝኾነት ፍራንቸስ ስፕረይ። ንሳ፡ እቲ ወሳኒ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ COP28 ዝኾነ ባህርያዊ ነዳዲ ምውጋድ ዝብል ሓሳብ፡ ብደረጃ ውሽጢ ዓዲ’ውን ክትግበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com