Sunday , May 12 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT/Johan Nilsson/TT

“ህዩማን ራይትስ ዎች” ን ሽወደን ነቒፉ።

ሽወደን፡ ኣባል ኔቶ ንምዃን ምስ ቱርክ እትገብሮ ዘላ ናይ ምቅርራብ ኣገባብ፡ ብ ውድብ “ኣህጒራዊ ሰብኣዊ መሰላት” ከምኡ’ውን “ህዩማን ራይትስ ዎች” ተነቒፉ።

“ሽወደን ንፖለቲካዊ መኽሰብ ክትብል፡ ቱርክ ንእትፍጽሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ርእያ ከም ዘይረኣየት ትኸውን ምህላዋ ህዩማን ራይትስ ዎች ከም ዘሻቐሎ” ፈጻሚ ዳይረክተር እቲ ውድብ፡ ቲራና ሓሰን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።

“ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝጸንሓ ጽቡቕ ስም ዓቂባ ክትቅጽል እንተደልያ፡ ምስ መን ትላዘብ ምህላዋ ኣጸቢቓ ክትግምግም ከድልያ እዩ” ክትብል ቲራና ወሲኻ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com