Friday , April 26 2024

ሆስፒታል ዝፈንጀረ ገበነኛ ንምርካብ፡ ፖሊስ ዮተቦሪ፡ ሓገዝ ይሓትት

ፖሊስ ዮቶቦሪ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከብ ሕክምና ከም ዝፈንጀረ ዝጥርጠር ገበነኛ ንምርካብ፡ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ።

እቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ዕለት 11 ሕዳር 2020 ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተጎድኣን እቲ ፈጻሚ ገበን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘይኣተወን ይፍለጥ።

ፖሊስ ዮቶቦቲ፡ ናይ ሓደ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ዝወጸን ከምጥርጡር ዝተራእየ ሰብ፡ ቪድዮ ከምዝዘርገሐ ይፍለጥ።

እዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ፡ ነቲ ገበነኛ ንምርካብ ክሕግዘናን ፖሊስ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኸእትዎ ተስፋ ንገብር ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ዮቶቦሪ ገሊጹ። ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ፡ ብቁጽሪ ተሌፎና 14114 ክድውል ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ምኽንያት ናይቲ ፍጻሜ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝጸንሐ ነገር ክኸውን ከምዝኽእል ኣኽባሪ ሕጊ፡ ማትስ ኣልቡም፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ንጹር ሓበሬታ ከምዘየለ ግን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com