Saturday , May 11 2024

ሉፊን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኮሮና እንቃለሰሉ ፖሊሲ ንኽንምርምር ኮሚሽን ነጣይስ ኣሎና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ሉፊን መንግስቱ ቅድሚ ሳመር ምእታዉ ከበዳ ኮሮና እትምርምር ሃገራዊ ኮሚተ ከጣይስ ምዃኑ ሓቢሩ። እዛ ኮሚተ ፖሊሲ ሽወደን ኣብ ምምካት ለበዳ ኮሮና እትምርምር እያ። መንግስቲ ኣብ ኲሉ ጽፍሕታት፥ ሚኒስትሪታት፥ ቤት ጽሕፈታት ሰብመዚ፥ ምምሕዳራት ከተማ፥ ባይቶን ኲሉ ኣካላት መንግስቲን ዝጸንሖ ኣታሕዛ ብመንፊት እዛ መማዪት ኮሚሽን ክሓልፍ ምዃኑ ድማ ገሊጹ። ኣቐዲሙ መንግስቲ ሽወደን ኩለንትናዊ ገምግማ እተካይድ ኮሚተ ከተጣይስ ከም ዝደሊ እኳ እንተሓበረ ብተቓወምቲ ሰልፊ ዝወርድ ጸቕጢ ምቅላጣፍ እታ ኮሚተ ግና ክከራኸሮ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ መንግስቲ ሉፊን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራት እዚ ለበዳ ይቕጽል ምህላዉን ቀዳማይ ዕማሞም ምክልኻልን ምጒዳልን እዚ ለበዳ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። እቲ ለበዳ ገና ከይጸፈፈ ትካላት መንግስቲን ኣካላት ሃገርን ንምግምጋም ምሽብሻብ ግዜኡ ኣይኮነን ዝብል ስምዕታ እውን ቀሪቡ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com