Friday , May 10 2024
Pixabay

ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ማዕበል ጎነጽ ጉጅለታት ገበን ክህሉ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ መንጎ ጕጅለታት ገበን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፥ ኣብ ሽወደን "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ማዕበል ጎነጽ ይኽሰት ምህላዉ ሓላፊ
ሃገራዊ ፖሊስ ኣንደርሽ ቶንበሪ ገሊጹ። ንሱ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ድሕሪ ዝተፈጸመ መቕተልቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሽወደን፡ ብረትን ነታጒን ዘጠቓልል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ዕጸፋርስን እናተጋደዱ ክመጹ ጸኒሖም
ኣለዉ። ቶንበሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅትለትን ፍንጀራን ተፈጺሙ'ሎ" ኢሉ።
"ካብ 13 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓያሎ ኮተቴ፥ ኣደ ሓደ ገበነኛ ኣብ ቤታ እናሃለወት፡ ኣብ ኡፕሳላ ዝቕመጥ መንእሰይ
ድማ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ብጥይት ተቐቲሉም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ሓላፊ ፖሊስ፡ እቲ ትእዛዛት
መቕተልቲ፥ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዝመደበሮም ላዕለዎት መራሕቲ ጕጅለታት ገበን ዝመጽእ ምዃኑ ኣስሚሩሉ፡፡
እንተኾነ ግና ዜግነት እዞም ሰባት ኣይጠቐሰን። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፥ ኣብ ሽወደን ሓያሎ ተኹሲ ተፈጺሙ’ሎ፡፡ ኣርባዕተ ካብዚኦም
ኣብ ኡፕሳላ ዝተፈጸሙ ኮይኖም፥ ክልተ ካብኣ ቶም ሞት ዘስዓቡ እዮም። ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ስቶክሆልም ዝተፈጸሙ
ኮይኖም፡ ሓደ ወዲ 13 ዓመት መንእሰይ ህይወቱ ንኽስእን ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 90 ፍንጀራታትን 101 ፈተነ
መጥቃዕቲ ነታጒን ከም እተመዝገበ፥ መረዳእታ ፖሊስ ሽወደን የመልክት። ብሓፈሻ ኣብ መንጎ እዞም ገበነኛታት ጕጅለታት
ዝፍጠር ዘሎ ግጭታት፥ ህይወት ንጹሃት የጥፍእ ከምዘሎ ቶንበሪ ወሲኹ ገሊጹ።
"ዜጋታት ይፈርሑ ኣለዉ፡ ዘይውሕስነት ድማ ይውስኽ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ደረጃ መጠንቀቕታ ግብረሽበራና ኣብ ዘዕበናሉ
እዋን'ዩ።" ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓያሎ ገበናት ጕጅለታት ከምዝፈሸሉ ዝገለጸ ቶንበሪ ፡ ኣገዳስነት ምክልኻል ጸጥታ
ኣስሚሩሉ’ሎ። ካብ ስቶክሆልም ንሰሜን 70 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኡፕሳላ ኣባል ፖሊስ ኡልፍ ጆሃንሰን "ኣብ ኡፕሳላ
ጥራይ ሓያሎ ሰባት ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብምውናን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፥ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ክብል ወሲኹ
ገሊጹ። ኣብ 2022 ኣብ ሽወደን 391 ተኹሲ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 62 ሞት ዘስዓቡ ምዃኖም ማዕከን ዜና “ዘ
ሎካል” ንፖሊስ ሽወደን ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።
እዚ እናኾነ ብቕድሚ ትማል ረቡዕ ምሸት፥ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ከባቢ ቫሳስታን ሓደ ኣብ 20ታት ዝርከብ ኮተቴ ብጥይት
ድሕሪ ምውቃዑ ሞይቱ’ሎ። ሓለፍቲ መገዲ ነቲ ሰብኣይ ክሕግዝዎ እኳ እንተፈተኑ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ምሟቱ
ተፈሊጡ። ፖሊስ እቲ ገበን ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ጕጅለ ጉጅለታት ዝተኣሳሰር ድዩ ኣይኮነን ይምርምሩ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com