Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም: ሓሳባትን ሳዕቤናቶምን (The Power of Ideas)


ኣማኑኤል ሳህለ
ብተመክሮታትን ተምሳላትን ምስልታትን፡ ብምግንዛብን ምዝማድን ምንጽጻርን፡ ከምኡውን ብእተጠላለፈ ህዋሳዊ ፈትልታት ሓንጎል ወድሰብ፡ ካብ ምሕሳብ ኣየዕርፍን። ሰብ፡ ምሕሳብ ደው ምስ ዘብል፡ ምንባሩውን ኣይፈልጥን። በዚ
ምኽንያትዚ ኸኣዩ ደካርት እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ፡ እሓስብ፡ ስለዚ ኣለኹ፡ (cogito ergo sum) ዝበለ።

ሓሳባት ወድሰብ፡ ሓድሓደ ግዜ ህድኣትን እምነትን ዘሕድረልና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብጭንቀትን ስግኣትን ዝመልኣና ኤለክትሮ- ማግነታውን ከሚካላውን ዋሕዚ እዩ።

እንስሳታት ከም ሰብ ኣገናዚቦምን ኣዚሮምን ኣስፊሖምን ስለ ዘይሓስቡ፡ ብዝሓለፈ ጌጋታቶም ኣይጠዓሱን፡ ብዚመጽእ ጸገማት ከኣ ከይደቀሱ ኣይሓድሩን። ምድራዊ ህይወቶም ግዜኣዊ እዩ። ኣባታቶም ብሓፈሻ ትማሊ ወይ ጽባሕ ዚብሃል ንጹር ኣምር የልቦን። ኩሉ ህይወቶም ሎሚ ዘተኮረ እዩ። ብደመነፍሲ (instinct) ስለ ዚምርሑ፡ ካብቲ ኣዕሚቝካን ኣርሒቕካን ብምሕሳብ ዚመጽእ ስቓይን ቃንዛን ተገላጊሎም እዮም ዚነብሩ።

ወድሰብ ግን ኣእምሮ ስለ እተዓደለ፡ ካብ እንስሳታት ልዕል ዝበለ እዩ። ይኹንምበር፡ ኣእምሮ ደኣ ይተዓደል እምበር፡ ብጥርሑ ወይ ብኸምኡስ ኣይረኸቦን። ነዚ ኣእምሮዚ ብምርካቡ፡ ነቲ ንእንስሳታት ከይሓሰቡን ከየስተንተኑን ብደመነፍሲ ዝረኽቡዎ ብተዛማዲ መገዲ ቅሱን ኪብሃል ዚኽእል ህይወት፡ ካብ ነብሱ ኣርሒቑዎ ይነብር ኣሎ። ሰብ፡ ኣእምሮ ኪወሃቦ ወይ ከጥሪ ኸሎ፡ ብተወሳኺ ነቲ ኣዕሚቝካን ንድሕሪትን ንቕድሚትን ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ዚፍጠር ስግኣትን ምጥርጣርን ምጭናቕን ኪቕበሎ ስለ ዚግደድ ኣብ ጸገም እዩ ኣትዩ ኪብሃል ይከኣል።

ኣብ ዓለም፡ እቲ ዝኸፍአ ኲናት፡ እቲ ኣንጻር ኣእምሮ ዝዓለመ ኲናት እዩ። ወድሰብ ነቲ ካብ ሓንጎሉ ዚፍልፍል ሓሳባት ደው ከብሎ ኣይክእልን። እቲ ዝውሕዝ ሓሳባት ኣብ ሓደ ነገር ዝኣመነን እተደረኸን፡ ብሕልና እተደገፈን ምስ ዚኸውን ከኣሞ፡ ደው ዘይብል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ቅድመኡ ዚጸንሖ ኩሉ መሰናኽላትን መናድቕን ጎቦታትን ከፍርስ ሓይሊ ኣለዎ። ነዚ ዓይነት ዋሕዚ ደው ከተብል ወይ ክትግድብ ምፍታን ዚፈጥሮ ውጥረትን ጸቕጥን ዓቢ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ዚሓስብ ኣካል፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ኪዓግት ዚፍትን ኣካል፡ ጉድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ።

በዝን ክንድዝን ከኣዩ እቲ ሓድሽን ሱርነቀልን ሓሳባት ዝውንን ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ንሓደ ስርዓት ከዕኑዎ ዚኽእል፡ ወይ ድማ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ብመትከሉ ተዋሲኡ ኪስዕሮ ዚኽእል። ሓሳብ ኣዚዩ ሓያል እዩ። ብፍላይ እቲ ንሕልናኻ ዘእምን ዓይነት ሓሳባት ነቲ ዝሃቀኖ ነገራት ከይገበሮ ዕረፍቲ ኣይህብን እዩ። ኣብዚ፡ እቲ ጸሓይ ዘይኮነትስ ዓለም እያ እትዘውር ዚብል ደፋር ሓሳባት ዘቕረበ ጋሊለዮ ጋሊለይን፡ እቲ ኣመጻጽኣ ፍጥረት ኣብ ዘገምታዊ ምዕባለ እተመስረተ እዩ ዝበለ ቻርለስ ዳርዊንን፡ ከም ኣብነት ኪጥቀሱ ይኽእሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ምሕሳብ ዚካየድ ኲናት ብጥንቲ ዝነበረን ዚቕጽልን ባህርያውን እዩ። እቲ ንሓደ ውልቀመላኺ ዘፍርሆ ዓይነት ኣታሓሳስባ ግን፡ እቲ ደው ኪብል ዘይክእል ናይ ሓንጎል ተፈጥሮኣዊ ከሚካላዊ ውጽኢት ዘይኮነስ፡ እቲ ንቓላትን ንተግባራትን ጠንቂ ዝኾነን፡ ኵነታት ንኽልውጥ ዘዕለብጥን ዘይተለምደን ደፋርን ሱር-ነቀላውን ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ።

ሓሳባት፡ እግሪ ኣውጺኦም ክምርሹን ንነገራት ኪልውጡን ስለ ዚኽእሉ፡ እቲ ውልቀመላኺ ንኽትሓስብ ኣይፈቕደልካን። ሓንጎልካ ዕጸዎሞ ነቲ መፍትሕ ኣቐብለኒ፡ ኩሉ ምሕሳብካ ድማ ናባይ ግደፎ፡ በሃሊ እዩ።

ናይ ሓደ ሰብ ሓሳብ ምስ ናይ ካልእ ሰብ ሓሳብ ተደማሚሩ ኪጥንክር ስለ ዝኽእል፡ እቲ ሓሳባት ካብ እተፈላለዩ ሸነኻት ተኣኪቡ ድማ ንነገራት ከነቓንቕ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተኣኪብካ ምዝታይ ክልኩልን ዘእስርን እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ መራሒ እናሓሰበልካ ኸሎ ተኣኪብካ ክትሓስብ ኣድላይነት ስለ ዘይብሉ እዩ።

ተኣኪብካ ክትሰቲ ግን ፍቑድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብስዉር መገዲ ይተባባዕ እውን እዩ። እዚ ድማ ምኽንያት ኣለዎ፤ 1. ሰኽራም ናይ ልቡ ስለ ዚዛረብ፡ እቲ ውልቀመላኺ፡ ንውሽጣዊ ኣተሓሳስባ ሰባት ንምጽናዕ የቃልለሉ 2. መስተ፡ ነቲ እትዛረቦን እትካትዖን ነገራት ብስምዒት ስለ ዚብርዞ፡ ቁምነገርን መዕለብን ንኸይህሉዎ ይገብሮ፡ ብተወሳኺ ድማ ናቱ ግዙእ ንኺገብረካ ኣይድንጕን። መስተን ቁምነገር ዘለዎ ኣተሓሳስባን ብሓደ ኣይከይድን።

ሓደ ካብቲ ንሓደ ውልቀመላኺ ብፍላይ ዘፍርሁዎ ፍጻመታት ወይ ዘሻቕሉዎ ኩነታት፡ ስቕ ዚብል ህዝቢ ጥራይ እዩ። እንታይ ኮይኑ እዩ ዘይርብሽ ዘሎ? ተመሺኡዎ ደኾን ይኸውን? እንታይ ኮይኑ ደኣዩ ዘየዕለብጥ ዘሎ? እሞ ገለ ደኾን ይኣልመለይ ይህሉ…?

ኣእምሮ ውልቀመላኺ ዕረፍቲ የብሉን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com