Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ብዘመን ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል (Might is Right) . . .

ቀደም ዘመን፡ ኣብ ምድረ-ሓበሻ ገበል ይገዝእ ነይሩ ይብሃል። ጎራዙት ኢዩ ዚምገብ ነይሩ። ህዝቢ ድማ ዓመት
ዓመት ሓንቲ ጎርዞ ይህቦ ነይሩ፡ ንኺውሕጣ። ከምኡ ምስ ዘይገብሩ ግን ንኹላቶም ኪዅስትሮም መደብ ዝነበሮ
ይመስል። ከይፈተዉ ትእዛዙ ከየዕብሩ ደቆም ይውፍዩሉ ነይሮም ማለት ኢዩ። መን'ዩ'ሞ ኪቃወሞ። ስለዚ ከኣዩ
ብዘመን ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል እተባህለ።
ሓደ ውልቀመላኺ፡ ክልተ እንተ ደመርካሉ ክልተ ክንደይ ይኸውን ብምባል እንተ ሓቲቱካ፡ ጎይታይ ከም
ዝበልኩምዎ፡ ብምባል ኢኻ እትምልሽ። ዕስራ ኢዩ እንተ ኢሉካ ድማ፡ በቲ ሰፊሕን መለኮታውን ፍልጠቱ
ኣመስጊንካ፡ ሰጊድካ ትወጽእ!
ኣያ ዝብኢ ትሽዓተ ደቂ ኣለዉዎ። ኣብ ግዜ እርጋኑ ኢዩ ወሊዱዎም። ንሱን ደቁን ብጥምየት ከይሞቱ ብማለት ምስ
ኣንበሳ ይላዘብ። ትሽዓተ ደቁ ምስ ኣንበሳ ኪሃድኑ ኪኸዱ'ሞ ካብቲ እተሃድነ ማዕረ ማዕረ ኪማቐሉ ይሰማምዑ።
ኣንበሳ በዚ ውዕል'ዚ ደስ ኢሉዎ ምስቶም ትሽዓተ ደቂ ዝብኢ ናብ ሃድን ይኸይድ። ዕድል ኮይኑ ድማ 10 ጤለበዱ
ይሕዙ። ስለዚ ከምቲ ውዕል ማዕረ ኪማቐሉወን ኣለዎም።
ኣንበሳ ግን ሓይሉ ተጠቒሙ ነቲ ጉዳይ ኪጥምዝዞ ይውስን።
ኣንበሳ፥ ስምዑ'ስከ ደቂ ዝብኢ። ንስኻትኩም ክንደይ ኢኹም?
ደቂ ዝብኢ፥ ንሕናዶ? ………ትሽዓተ
ኣንበሳ፥ ሓንቲ ጤለበዱ እንተ ተሓወሰትኩም ክንደይ ትኾኑ?
ደቂ ዝብኢ፥ ዓሰርተ
ኣንበሳ፥ እሺ፡ ግርም፡ ……….ኣነ ክንደይ እየ?
ደቂ ዝብኢ፥ ሓደ
ኣንበሳ፥ ትሽዓተ ጤለበዱ እንተ ተሓወሳኒ ክንደይ እኸውን?
ደቂ ዝብኢ፥ ዓሰርተ
ኣንበሳ፥ ስለዚ ማዕረ ኢና ዘሎና፡ ኣይዓመጽኩኹምን፡ ሓቀይዶ?
ደቂ ዝብኢ፥ ወሪዱካ እንታይ ክትዕምጸና ደኣ! ሓቅኻ ኢኻ፡ ኣይተጋገኻን፡ መኣስከ ተጋጊኻ ትፈልጥ
ደቂ ዝብኢ ሓንቲ ጤለበዱ ሒዞም ናብ ገዝኦም ምስ ኣተዉ፡ ንኣቦኦም ነቲ ዝኾነ ኩሉ የዘንትዉሉ።
ሽዑ ኣያ ዝብኢ፥ ክላ! ብቐደሙ ኣነ እየ ተጋግየ ………… በሉ ቀልጢፍና ንብልዓያ ነዛ ጠሌበዱ፡ ትሽዓተ
እንተ ደመርካሉ ሓደ ይኸውን ዓሰርተው ሓደ ኢዩ ኢሉ ነዛ ናትና ድማ ምለሱለይ ከይበለና ከሎስ፡ ቀልጢፍና ደኣ
ንብልዓያ፡ በለ ይብሃል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com