Thursday , May 2 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ተጣቢብካ እንተ ዘይኮይኑ…..

 

ሓደ እዋን ባሩን ማሩን እተባህሉ ንዓዲ ዘሰከሑ ክልተ ርጉማት ኣሕዋት ነበሩ። ብኣታቶም ዘየማረረ ሰብ ኣይነበረን። ኩሉ ሰብ ድማ ሕማቖም ይትምነ ነበረ።

 

ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ማሩ ይመውት። ባሩ ድማ ንሓዉ ኪቐብርን ከኽብሮን ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ ናብቲ ናይ ዓዲ ካህን ከይዱ፥

’’ኣቦይ ቀሺ፡ እምበኣር ማሩ ሓወይ መዓልቱ ኣኺሉ ሞይቱ ኣሎ፡ ይኹን’ምበር ኩሉ ሰብ ስለ ዚጸልኦ፡ ኣብቲ ናይ ፍትሓት መደረ፡ ሓወይ ማሩ ብሓቂ ጻድቕ ከም ዝነበረ እንተ ተዛሪብኩምስ ዝደለኹምዎ ዘበለ ኩሉ ሂበ ከሐጕሰኩም እየ፡ ስለዚ በጃኹም ቃልኩም’’ ሃቡኒ፡ ብምባል ኣምሪሩ ይልምኖም።

 

ኣቦይ ቀሺ ደስ ኣይበሎምን፡ ግን ከም ገለ ገይሮም ነቲ ጉዳይ ኪሰግሩዎ ዘኽእሎም መገዲ ንምርካብ ኪሓስቡ ጀመሩ፡ ፥ ”ደሓን ኣጆኻ፡ ኣይትሰከፍ፡ እዚ ደኣ ቀሊል እንዲዩ’’ ኢሎም ድማ ንባሩ ኣፋነዉዎ።

 

ኣብቲ እዋን ቀብሪ፡ እቲ ሬሳ ኣብ ሓመድ ቅድሚ ምድባዩ፡ ኣባ ቀሺ ከምዚ ኪብሉ መደረኦም ኣቕረቡ።

’’ ብሓቂ፡ ማሩ ከም ሰብ መጠን ርጉምን ተንኰለኛን ኢዩ ነይሩ። ብኣኡ ዘይሰከሐ ሰብ ኣይነበረን። ብኣኡ ዘየማረረ ሰብ ድማ ኣይርከብን። ይኹን’ምበር፡ ምስ ሓዉ ባሩ እንተ ኣወዳደርካዮስ፡ ማሩ ብሓቂ ጻድቕ ኢዩ ነይሩ…….” ብምባል ለበዋ ባሩ ከየዕበሩ መደረኦም ዛዘሙ።

 

(ካብ ሪደርስ ዳይጀስት እተራዕመ)

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com