Monday , May 13 2024

ሓይሊ ቃላትና…

ቃላት ብርቱዕ ሓይሊ ኣለዎም። ለባማትን መስተውዓልትን እንክምስሉ “ረቂቕ ኣጽዋር” እዮም ዝብልዎም። ምኽንያቱ፡ ቃላትና እንተ ደሊና ሰባት ንቐትለሉ እንተ ደሊና ሰብ ንሰርሓሉ። እቲ ሓቂ ከምዚ እናኾነ ግን፣ መብዛሕትና ነቶም ካብ ኣፍና እነውጽኦም ቃላት ፍጹም ኣይንሓስበሎምን ኣይንጥንቀቐሎምን ኢና። ምናልባት ኣብ ሓደ መዓልቲ እነውጽኦም ቃላት እንተ ንጽሕፎም – መብዛሕትኦም ብዘይተገዳስነትን ምሕሳብን ዘውጻእናዮምን ብዙሕ ዘይጠቕሙን ኮይኖም ምጸንሑና።

ልክዕ ከምቲ ንሕና ንኻልኦት፣ ብተመሳሳሊ’ውን ንዓና ብካልኦት ብዙሕ እዩ ዝበሃለና። መዓልታዊ፡ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ፡ ማእለያ ዘይብሎም ቃላት ይውርወሩና። ገሊኦም ካብ ሞትን ፍርሕን ህይወት ዘሪኦም ከተንስኡና ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ፣ ዝቐትሉና፡ ዘጃጅዉናን ተስፋ ዘቝሩጹናን ቃላት እውን ማእለያ የብሎምን። ብሰንኪ ኣሉታዊ ቃላት፡ ሰባት ሰብኣውነትና ንጠራጠረሉን ገዛእ ርእስና እነነኣእሰሉን ግዜያት’ውን ውሑድ ኣይኮነን። ብሰንኪ’ዞም ኣሉታውያን ቃላት፣ ዝወረሩና ኣሉታውያን ስምዒታት ንምዝካሮም ከኣ ፍጹም ኣይከብደናን። ግን ብኸመይ ኢና ካብዞም ብሕሉፋት ቃላት ሰባት ተደፋፊእና ዝጃጀናሉ ዓለም እንወጽእ።

መጀመርያ፡ ንዘልኣለም ካብዞም ዘጃጅዉን ተስፋ ዘቝርጹን ቃላት ሰባት ተኸዊልና ክንነብር ከም ዘይንኽእል ምእማን እዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት፡ ካብ ጽቡቕ ሕማቕ ክዛረቡ ዝቐሎም ሰባት ከም ዘለዉ ኢና እንርኢ። ገለ ገለ መን ከማይ በሃልቲ ከኣ፣ ከም ልዕልናኦም ዘርእዩሉ መሳርያ ይጥቀሙሉ እዮም። ወይ’ውን መን ይፈልጥ ገለ ገለ’ውን ንዝበጻሕናዮ ደረጃን ምዕባለን ክበጽሑዎ ብዘይ ምኽኣሎም፣ ሕማቕ ቃላት ተጠቒሞም ከጥቅዑና ክፍትኑ ይኽእሉ።

ካብ ኣፍ ካልኦት ሰባት ንዝወጽኡ ቃላት፣ ፍጹም ክንቆጻጸሮም ኣይንኽእልን ኢና። ቃላትና ክንቆጻጸሮም ግን ዘጸግመና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቃላትና ኣብ ውሽጥና ክሳዕ ዘለዉ ናትና እዮም። ሓንሳእ እንተደኣ ወጺኦም ግን ዋናታቶም ካልኦት እዮም ዝኾኑ። ስለዝኾነ፡ ሎሚ ይኹን ጽባሕ፣ እዞም ሰባት ንሓዋሩ ምሳና ስለ ዘለዉ፣ ቅንጣብ ትኹን ሕማቕ ቃል ናብ ልብናን ኣእምሮናን ንኸይትኣቱ ክንከላኸል እዩ ዘለና። ርእሰ-ተኣማንነትና ኣዕቢና ከከም ኣመጻጽኣኦም ክንብደሆም ከኣ የድሊ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዙሓት ኣሉታውያን ቃላት ዘውጽኡ ሰባት፣ ቃላቶም ማዕረ ክንደይ ከም ዘሕመና ዘይፈልጡ ከም ዘለዉ ምርዳእ’ውን ከድልየና እዩ። ገሊኦም ግርህ ኢሎም እንታይ ይዛረቡ ከም ዘለዉ ከይፈለጡ ቃላት ዝስንድዉ እኳ እንተሃለዉ፣ ናይ ብዙሓት ድማ ንጽቡቕ ዝሓሰቡዎ ብግልባጡ ክኾነና ይኽእል እዩ። ብዝኾነ ንሕና ብቃላቶም ብውሽጥና ንሳቐ። ንሳቶም ከኣ ብሰንኮም እንታይ ንኸውን ከም ዘለና ስለ ዘይፈልጡ፣ ቃላቶም ደጋጊሞም ብምውርዋር የቝሱሉና። ስለ’ዚ፡ ዝኾነ ዘይምእምእ ቃላት ክድርበየና እንከሎ፣ ኣብ ክንዲ ንጃጁን ተስፋ ንቖርጽን፣ ምስቲ በሃሊኡ ብግቡእ ብምብህሃል ኢና ክንፈትሖን ከነወግዶን ዝግባኣና።

ብስነ-ልቦናዊ ኣዘራርባ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘለና ኣሉታዊ ስምዒት፣ ምስቲ ሰባት ዝድርብዩልና ኣሉታዊ ቃላት ኢና እነተኣሳስሮ። ዝኾነ እነድንቖን እንቐርቦን ሰብ ኣሉታውያን ቃላት እንተ ደኣ ሰንድዩልና፣ ኣብ ልብና ጉድጓድ ቃንዛ እዩ ዝፍጠር። እዞም ቃላት ክቆጻጸሩና እንተ ደኣ ዕድል ሂብናዮምን ነቶም ሰባት እቕረ ክንብለሎም ቅሩባት ዘይኴንናን ከኣ፣ ንህይወትና ወትሩ ጃጃዊትን ተጎዳኢትን ኮይና ንኽትነብር ንፈርዳ። ምኽንያቱ ንሕሉፋት ቃንዛታት ምሕቋፍ – ንሓጎስ መጻኢና ምብራር ስለዝኾነ።

እምበኣርከስ ምጅጃው ኮነ ነብስኻ ምትሓት፣ ብህይወት ተስፋ ምቑራጽን ካልኦት ኣሉታውያን ስምዒታት ከም ዝህልዉናን ከም እንገብር ኢና ክንርኢ ጸኒሕና። ዝጃጀወ ሰብ ከኣ ክምዕብል፣ ሓድሽ ነገር ክፈጥር ኮነ ክልወጥ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኢና፣ ቃላትናን ቃላት ካልኦት ሰባትን ከነስተውዕለሎምን ክንጥንቀቐሎምን ዘድሊ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ናብ ለውጥን ርእሰ-ተኣማንነትን ንምስጋር፣ እወታዊ ሓይሊ ቃላትና ተጠቒምና፡ ንምጅጃው ቻው ክንብላ ኣሎና።እምበኣርከስ ምጅጃው ኮነ ነብስኻ ምትሓት፣ ብህይወት ተስፋ ምቑራጽን ካልኦት ኣሉታውያን ስምዒታት ከም ዝህልዉናን ከም እንገብር ኢና ክንርኢ ጸኒሕና። ዝጃጀወ ሰብ ከኣ ክምዕብል፣ ሓድሽ ነገር ክፈጥር ኮነ ክልወጥ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኢና፣ ቃላትናን ቃላት ካልኦት ሰባትን ከነስተውዕለሎምን ክንጥንቀቐሎምን ዘድሊ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ናብ ለውጥን ርእሰ-ተኣማንነትን ንምስጋር፣ እወታዊ ሓይሊ ቃላትና ተጠቒምና፡ ንምጅጃው ቻው ክንብላ ኣሎና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com