Friday , April 26 2024
A doctor from the International Organization for Migration (IOM) checks a rescued migrant's identity before administering a Coronavirus test, (AP Photo/Mehdi El Arem) TUN103

ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ፡ 178 ስደተኛታት ኣድሒኑ

ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮፓ ክሰግሩ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ዝነበሩ 178 ስደተኛታት፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ቱኒዝያ ብኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ከምዝደሓኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ቱኒዝያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ዜጋታት ግብጺ፡ ቱኒዝያ፡ ሶርያ፡ ኮትዲቭዋር፡ ባንግላዴሽ፡ ናይጀርያ፡ ማሊን ኢትዮጵያን ምዃኖም ዝንገረሎም ስደተኛታት፡ ካብ ወደባዊ ከተማ ሊብያ ዝኾነት፡ ዙዋራ፡ ተበጊሶም ናብ ኤውሮፓ ንምእታው፡ ብቀዳም ምሸት ከምዝተበገሱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መብዛሕትኦም ዜጋታት ባንግላዴሽ ዝርከብዎም፡ ካብ ሊብያ ዝተበገሱ፡ 267 ዝኾኑ ስደተኛታት ውን፡ ብቱኒዝያ ከምዝተኸልከሉ  ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ቱኒዝያ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ብሰባት ከምዝመለአ ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com