Friday , April 26 2024

ሓዲሽ ባህሪ ዘለዎ ኮረና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ከምዝተረኽበ ሰብ መዚ ጥዕና ይሕብሩ

ኣብ ድሮ በዓል ልደት ብኢኪላታት ጥዕና ኢንግሊዝ ሓድሽ ባህሪ ማለት ብ 70 ሚእታዊ ዝልዓለ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ዘለዎ ኮረና ቫይረስ ድሕሪ ምርካቦም፣ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ብመሬት ኮነ ብ ሰማይ ዘራኽበን መንገዲ ዝዓጸዋ ኮይነን፣ካብ ዚ ዓይነት ቫይረስ መልከፍቲ ግን ከምልጣ ኣይከኣላን።

 እዚ ቀልጢፉ ናይ ምልባዕ ባህርያት ዘልዎ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኢንግሊዝ ድህሪ ምርካቡ ሽወደን ትርከበን ቡዙሓት ሃገራት ናይ ድሒሩ ይርኽቡ ሙህላው ይገልጹ። በዚ መሰርት ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን እዚ ሓዱሽ ባህሪ ዘለዉ ቫይረስ ኣብ ሽወደን ከምዝረኸቡ ብ ቀዳም ዕለት 27 እፍሊጦም ኣለዉ።  እዚ ዝኾነሉ ሓደ ሰብ ካብ ኢንግሊዝ ናብ ሽወድን ብምኽንያት በዓል ልደት ስድሩኡ ክበጽሕ ኣብ ዝመጸሉ ኮይኑ፣ ኣብ ሶርምላንድ ኣብ ዝገበሮ መርመራ እዩ በዚ ቫይረስ ከምዝተጠቕዐ ተፈሊጡ። ብመስረት ጸብጻብ በዓል መዚ ጥዕና እዚ ገያሻይ ኣብ ፈለማ ቁሩብ ከምዝተጸልኦ ድሒሩ ኣብ ዝተገብረሉ መርመራ ኣብ ነፍሱ ከምዘሎ እዩ ከረጋግጹ ከምዝኽኣሉ ዝገልጹ።

እዞም ኪኢላታት ብምውሳክ እዚ ሰብ ቡዙሕ ምትንካፍ ስለዘይገብረ ናብ ካልእ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ዘሎ ኣዝዩ ጸቢብ ኮይኑ ኣብዚ ግዜ በይኑ ተወሺቡ ምብላዉ ይሕብሩ።

መዚ መስረት ዝኾነ ካብ ኢንግሊዝ ዝመጽእ ሰብ ስጋብ ካብቲ ሕማም ነጻ ሙኻኖም ዘረጋግጹ ኣብ ገዝኦም ተወሺቦም ንኽጸንሑ ለበወኦም የመሓላልፉ።

ከምዝፈለጥ እዚ ሓዱሽ ባህራያት ዝውንን ኮረና ቫይረስ ካብ ደንማርክን ኢንግሊዝ ሓሊፉ ኣብ ካናዳ፣ ጃፓን፣ ስፐይን ፣ፈረንሳን ነርወይን እውን ከምዝተራእየ ድሮ እዘን ሃገራት ኣፍሊጠን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com