Friday , May 10 2024

“ሓድሽ ስትራቴጂ ክሊማ መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትና ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት እዩ” ሓደ ክኢላ

Credit: Magnus Johansson/Linköping University, Johan Nilsson

ሎሚ መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ስትራተጂ ክሊማኦም ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ቀጻልነት ዘለዎ ውጽኢት ንምምጻእ ንፖሊሲ ክሊማ ዳግማይ ይቐርጽዎ ከምዘለዉ፡ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ድማ እቲ እንኮ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑን ገሊጹ’ሎ። እቲ ውጥን ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ፈነወ በካሊ ጋዝ ንምንካይ ህጹጽን ጭቡጥ እማመታት ብዘይምህላዉ ይንቀፍ ኣሎ። ኣብ 2045 ዜሮ ፈነወ በካሊ ጋዝ ሸቶ ብምግባር ዝወጸ ሓድሽ ክሊማዊ ስትራቴጂ መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራናን ኣመልኪቶም ምሁራን ርእይቶኦም ይህቡ’ለዉ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ክሊማ ዝነጥፍ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊንሾፒንግ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማትያስ ፍሪዳል ነቲ መንግስትን ዲሞክራት ሽወደንን ዘውጽእዎ ሓድሽ ውጥን ክሊማ ዝህቦ ግብረ መልሲ ኣመልኪታ ኣዘራሪባቶ’ላ። ንሱ፡ እቲ ኲነታት ሓቀኛን ልባዊን ከም ዘይመስል ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ጒዳይ ዘስምዕዎ ዘለዎ ዲስኩር ከኣ “ምሉእ ብምሉእ ቅንዕና ዘይብሉ' ምዃኑን ይዛረብ። ንሱ እዚ ክሊማዊ ስትራቴኢ ኣብ 2045 ጥራይ ብዙሕ ትኹረት ብምሃብ፡ ነቲ ናይ ቀረባ ግዜ እኹል ኣቓልቦ ዘይህብ ኮይኑ ከም ዝስምዖ ብሓፈሻ “ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት” እዩ ኢሉ ከም ዝግምግሞ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com