Friday , April 26 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

“መልእኽቲ ኣምባሳደር ሩስያ ናይ ቀቢጸ ተስፋ እዩ”–ሓንቲ ተመራማሪት።

ሽወደን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–እንድሕር ኮይና ሩስያ ኣድላዪ ዝበለቶ ዓጸፌታዊ ስጒምቲ ንኽትወስድ
ክትግደድ እያ፥ ክብል ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሽወደን ቪክቶር ታታሪንስተቭ ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ ገሊጹ። ሽወደን ኣባል ኔቶ ምዃን
ማለት፥ ነቲ ድሮ ኣብ ወጥሪ ዘሎ ጸጥታዊ ኲነታት ኣውሮጳ መሊሱ ዘጋድድ እዩ ክብል ታታሪንስተቭ ኣብቲ ዓንቀጽ ሞጊቱ’ሎ።
ሓደስቲ ሃገራት ኣውሮጳ ናብዚ “ቀጽሪ ጽሕተራ ኲናት” ኢሉ ዝሰመዮ ኔቶ ይጽንበራ ምህላወን፥ ሩስያ ዝኾነ ዓይነት ስጒምቲ
(እንተላይ ወተሃደራዊ ስጒምቲ) ንኽትወስደለን ሕጋዊነት ዝህባ እዩ ክብል ጽሑፉ ኣጠቓሊሉ።
ኣብ “ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን” ተሓግጋዚት ተመራማሪት ጒኒላ ሄሮልፍ ብወገና፡ እዚ ሩስያ ን ሽወደን ክትጸሉ ዘዳለወቶ
ድኹም ኣገባብ እዩ። ብኸምዚ ዘይንጹርን ምፍርራህ ዝመልኦን ጽሑፍ፡ ሽወደናውያን ኣብ ኔቶ ዘለዎም ኣረኣእያ ዝቕይሩ
ኣይመስለንን፥ ነዚ ጽሑፍ ምንዓቑ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ” ክትብል ነቲ ጽሑፍ ኣዋዲቓቶ’ላ።
እዚ እናኾነ፥ ኣምባሳደር ሩስያ ብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንኣኼባ ከም እተጸውዐ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com