Sunday , May 12 2024
People wait for their relatives and friends to come out of the Indira Gandhi International airport, in New Delhi (AP Photo/Rishi Lekhi) AGR102

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ነቲ ብ ኤጀንሲ ሸመትቲ ሽወደን ዝቐረበሉ ነቐፌታ መልሲ ሂቡ።

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ነቲ ብ ኤጀንሲ ሸመትቲ ሽወደን ዝቐረበሉ ነቐፌታ መልሲ ሂቡ። ኣብ እዋን ሳመር ኣብ ዝተኻየደ ኣድማ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየር ንዓማዊሉ ብ ኢ-ሜይልይን ጽሑፍን እኹል ሓበሬታ ኣይሃበን ብምባል ኤጀንሲ ሸመቲ ሽወደን ክሲ ከቕርበሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

እንተኾነ ግና እቲ መንገዲ ኣየር፡ እቲ ዝሃቦ ሓበሬታ ብኸመይ እኹል ኣይኮነን ከም እተባህለ ከም ዘይተረድኦ፡ ኣብ ስርሒታት ተለኮም ክንደይ ዝኣክል ናይ ጽሒፍ ሓበሬታ ክወሃብ ኣለዎ ኣብ ዝብል ከኣ ክውስን ከም ዘይክእል ብምጥቃስ መልሲ ሂቡ’ሎ።.

“ን መግለጺ እቲ መንገዲ ኣየር ንምርምሮ ኢና ዘሎና” ክብል ጠበቓ ኤጀንሲ ሸመትቲ ሽወደን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝለኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ገሊጹ’ሎ።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com