Sunday , May 12 2024

መንግስቲ ሽወደን ሕማም ኮሮና ከየስፋሕፍሕ ኲሉ ሜላታት ይጥቀም ምህላዉ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ማሕበራዊ ኊዳያት ሊና ህሊግረን ሎሚ ምስ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዮሃን ካርልሰን ከምኡ’ውም ዳይረክተር ጀነራ ሃገራዊ ጥዕናን ቈንስል ማሕበራዊ ጒዳያትን ኦሊቭያ ወግሰል ብምትሕብባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሂባ’ላ። ንሳ መንግስቲ ንምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ዝድለ ጻዕርታት ክገብር ምጽንሑን እንተኾነ ዝያዳ ጻዕርታት ምክያድ ከም ዘድሊን ገሊጻ’ላ።

ካርልሰን ብወገኑ ዛጊት ኣብ ዕስራ ዝኾኑ ሰባት መርመራ ከም እተገብረን በዚ ቫይረስ እተለኽፈ ዛጊድ ሓደ ሰብ ከምዝተረኽበ። ኣብታ ሃገር ብዘሎ ጽኑዕ ምክትታል ብምትእምማን ድማ ከም ዓብዪ ሻቕላ ጥዕና ሃገር ከም ዘይርእዮ ኣስሚርሉ’ሎ። ንሳ” ሽወደን ዘተኣማምን ሕማም ናይ ምቊጽጻር ኣገባብ ኣለዋ። እዚ ድማ ቀጻሊ እዩ” ኢላ። ኣብታ ፈለማ እዚ ቫይረስ እተራእየላ ዊሃን ዝገሹ 15 ሽወደናውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክግበር ምዃኑ’ውን ኣመልኪታ።፡ ብሓሙስ ውድብ ጥዕና ዓለም ንሕማም ኮሮና ኣመልኪቱ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com