Monday , May 13 2024

መንግስቲ ሽወደን ናብ ሆስፒታል ዝመጹን ምልክታት ኮሮና ንዘርእዩን ሰባት መርመራ ክገብረሎም ሙዃኑ ይሕብር።

ኣቐዲሙ መርመራ ዝግበር ዝነበረ ምልክታት እቲ ሕማም ተራእይዎም ናብ ሆስፒታል ንዝመጹ ሰባት ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ን ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣገባብ መርመራኡ ንኽቕይር ብምሕባር ኣብ ሰሙን ክሳብ 100 ሽሕ ንኸብጽሖ ምምርሑን ተገሊጹ። ” ብሓፈሻ ኣብ ሆስፒታል ዘለዉ ሕሙማት ጽቡቕ ክንክን ይግበረሎም እኳ እንተሎ ኣብ ሆስፒታል ዘየለዉ ሰባት መርመራ ክግበረሎም ዘይምግባሩ ግቡእ ስጒምቲ ኣይኮነን” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንግረን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ’ላ። በዚ ሓድሽ ኣገባብ ብዝሕ ዝበሉ ሰባት እቲ ሕማም ክርከቦም ከም ዝኽእል ድማ ኣሚታ’ላ። ብመሰረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኲሎም ፈኲስ ምልክታት እቲ ሕማም ዘርኣዩ ኣይኮኑን ክምርመሩ።

ብዛዕባዚ ዝውስኑ ዶክተራት እዮም ክኾኑ። “ፈኲስ ምልክታት እቲ ሕማም እንተርኢኻ ኣብ ቤትካ ምጽናሕ ከድልየካ እዩ” ክትብል በዓልቲ መዚ ክፍሊ ማይክሮባዮሎጂ ካረን ቪሰል ሓቢራ። እንድሕሪ ኣብ ቤትካ ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕካ እቲ ምልክታት ሻቕላ ፈጢሩልካ ናብ ማእከላት ጥዕና ጻውዒት ክትገብር ትኽእል ኢኻ”! ድማ ኢላ። መንግስቲ ወጻኢታት መርመራ ናይቶም ኣብ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ዕማማት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ብምልኡ ክሽፍን ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ። ዛጊት ብዝሒ ዝተወስዱ ሳምፕላት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝነበሮ 29 ሽሕ ናብ 32700 ክብ ምባሉ ድማ ተመልኪቱ። ነዚ ዕማም ፍሉይ ናይ ምክትታል መዝነት እተዋህባ ሃሬት ቫልቤሪ ብፍላይ ኣብ ሽማግለታትን ኣባጽሕን ዝያዳ ምውሳድ ሳምፕላት ክቕጽል ይግባእ ኢላ። ብዘይካዚ ሰባት ከርእይዎ ዝጸንሑ ትዕግስቲ ብምቕጻል መምርሒታት በዓልመዚ ጥዕና ክስዕቡ ይግባእ ድሕሪ ምባል ” ሕጂ’ውን ኣብ እዋን ለበዳ ኢና ዘሎና፥ ስለዚ ፍዂስ ዝበለ ምልክታት ዘለዎም ኣብ ቤቶም ክውሸቡ ኣድላዪ እዩ” ክትብል ለበዋኣ ኣመሓላሊፋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com