Sunday , May 12 2024

መንግስቲ ንቫይረስ ኮሮና ከም ሓደ ስግኣት ሕብረተሰብ ጌሩ ምቕማጡ ተገሊጹ።

መንግስቲ ሽወደን ነዚ ኣብ መላእ ዓለም ተከሲቱ ዘሎን ቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከም ሃገራዊ ሓደጋ ብምርኣይ ህዝባዊ ስጋኣት ሙዃኑን ሰባት ኣድልዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ሓቢሩ። ዘይንቡር ኣብ ዝተባህለሉ ኣኼባ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ጋሊንግረን ነዚ ሓድሽ ቫይረስ ከም ህዝባዊ ስግኣት ከም እትቘጽሮ ምግላጻ ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢሩ። “ዶክተራት ኣድላዪ እንተኾይኑ ውሸባ’ ውን ብምትእትታው ንለበዳ እዚ ቫይረስ ክከላኸሉ ሓቢርና ኣሎና” ድሕሪ ምባል እዚ ውሳነ ካብ ሎም ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዙ ናብ ትግባረ ክሰጋገር እዩ ኢላ። ኣቐዲሞም እውን ኢቦላ ሳርስ ከማኡ’ውን ንፍዮ ኣብዚ ምድብ ተቐሚጦም ምንባሮም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com