Saturday , May 11 2024

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ሓደስቲ ቀይድታትን መምርሒታትን ከመሓላልፍ እዩ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ካብ ረቡዕ 09/12/2020 ጀሚራ ኣደራሻት ሲነማ፡ ትያትራት፡ ቤት መግብታትን ባራትን ክትዓጹ ምዃና ማዕከናት ሓበሬታ ዴኒማርክ ገሊጸን ክብል SVT ኣቃሊሑ።

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ንለበዳ ኮሮና ብዝምልከት፡ ሎሚ ኣብ ዝካየድ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሓድሽ መምርሒታትን ቀይድታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ተፈሊጡ እኳ እንተሃለወ፡ ማዕከናት ሓበሬታ ዴኒማርክ ግን ነቲ ውሳኔ ብዝምልከት ሓበሬታታት ከምዘመሓላለፋ ይንገር።

ብመሰረት ዴኒማርካዊ መርበብ ተለቪዥን Danish TV2 ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ረቡዕ 09/12/2020 ጀሚሩ፡ ኣብ 38 ምምሕዳራት ዴኒማርክ ዝርከባ ቤት ምግብታት፡ ባራት፡ ኣደራሻት ሲኒማን ትያትራትን ክዕጸዋ ምዃነን ሓቢሩ። ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ዘለዉ ተማሃሮ ናይ በዓል ልደት እዋን ዕረፍቲ ከናውሖ ምዃኑ፡ መንግስቲ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com