Friday , April 26 2024
Johan Nilsson / TT

መገሻታት ልደት ብ ዓሰርተ % ምጒዳል ከም ዝአርኣየ ሓቢሩ።

25 ሚእታዊት ዘይቢዝነሳዊ በረራታት ሽወደን ዝሕዛኣሉ ቲከት ዝተባህለ መርበብ ናይዚ ዓመትዚ መገሻታት ልደት ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ብ ዓሰርተ ሚእታዊት ምጒዳል ከም ዝአርኣየ ሓቢሩ።

ዳይረክተር ዕድጊ ቲከት ሚካኤል ካፒል ቀንዲ ምኽንያት እዚ ተርእዮ ክሮነር ናይ ምግዛእ ሓይሉ ብምጒዳሉ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብዙሓት ሽወደናውያን ጽቡቕ ክሊማ ኣብ ዝነበሮ ወቕቲ ክረምቲ ብብዝሒ ብምጋሾም እዩ ይብል።

“ሕጂ ግዜ ስለዛኣኸለ ዝገሹሉ መዓለቲ ሓሊፍዎም’ዩ,” ክብል ንሬዱኦ ሽወደን ሓቢሩ. እንተኾነ ግና ካፒል ምዕዛዝ ግንዛበ ክሊማዊ ለውጢ ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል ሕዛኣተ ጒዕዞ በረራ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን።

ብመሰረት ቲከት ዝገበሮም ዳህሳሳት ገያሾ ኲነታት ኣየር ዝገሽሉ ሃገር ብልዕን ግዜያዊ መጽኒሒኦምን ከመይ ከም ዝኸውን እኹል ሓበሬታ ብምሓዝ እዮም ንበረራ ዝዳለዉ።

እንተኾነ ግና ብሓፈሻ ንጸሓይ ክብሉ መገሻኦም ክስርዙ ደሌት ከምዝይብሎም ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com