Friday , April 26 2024
Jonas Ekströmer/Anders Wiklund/TT

መጠንቀቅታ ካብ ፖሊስ ሽወደን

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዋዜማ በዓል ፋስጋ ዘቤታዊ ስርቂ ብፍላይ ድማ ስርቂ ስልማት ወርቂን ካልእን ወሲኹ ምህላዉ ገሊጾም።

በዓልመዚ ክፍሊ ገበን Mats Lunden ኣብ እዋን ፋስጋ ብዙሓት ስድራቤታት ኣባይቶም ዓጽዮም ንገጠር ስለዝኸዱ ንሰረቕቲ ምቹእ ከምዝኸውንን ፖሊስ ካብ ዝሓለፈ ስታቲስቲክስ ብዛዕባዚ ጽቡቕ ግንዛበ ከም ዘለዎምን ገሊጹ።

ሓደ ልሙድ ኣገባብ ስርቂ መስኮት ወይ ማዕጾ ገበላ ምስባር እዩ። ስለዚ ድማ ሰብቤት እዞም ዝስዕቡ ጥንቃቐታት ክገብሩ ፖሊስ መኺሮም ኣለዉ።

1. ንጐረቤትኩም ትገሹ ምህላውኩምን ዝኾነ ኣጠራጣሪ ዝመስል ኲነታት ምስ ዘጋጥም ናብ ፖሊስ ክሕብርን።

2. ትገይሽ ምህላውካ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምግላጽ ጽቡቕ ኣይኮነን።

3. ጐረቤትኩም መኪናኡ ኣብ ደንበኹም ክዕሽጋ ምግባር። እዚ ነቶም ሰረቕቲ ሰብ ከም ዘሎ ብምምሳል ውጥኖም ከበርዕን ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com