Monday , May 13 2024

መጥቃዕቲ ሳይበር ንስርዓተ ቤተክርስትያን ሽወደን ኣዛቢዑ።

ቅድሚ ዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ስርዓተ IT ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ዝተፈጸመ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ፡ ​​ሰፊሕ ክፋል ናይ ሰበኻታታ ብኢንተርነት ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ምትእጒጋሉ ተገሊጹ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ሽወደን ናብ ብርዒ፣ ወረቐትን ቴሌፎንን ክምለሳ ተገዲደን እየን። ብዘይካዚ እቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስርዓተ መርዓ፣ ቀብሪን ጥምቀትን ድማ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ብምኽንያት እዚ ፍጻመ ስድራቤቶም ክቕበሩ ተዳልዮም ዝነበሩ ሰባት ቀብሪ ከናውሑ ከምዝተገደዱ፡ ኣብ ዮተቦሪ ሓላፊት ቀብሪ ካታሪና ኢቨንሰት ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com