Sunday , May 12 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ሙሓረም ደሚሮክ ሓድሽ መራሒ ማእከላይ ሰልፊ ክኸውን ተሓጽዩ።

ኮሚተ ምስያም ማእከላይ ሰልፊ ሎሚ ን ሙሓረም ደሚሮክ ሓድሽ መራሒኡ ክኸውን ሕጽዩዎ። ኣኒ ሉፍ ን 11 ዓመታት ነቲ ሰልፊ ድሕሪ ምምራሕ ዝሓለፈ ምርጫ ክካየድ ኣርባዕተ መዓልታት ምስ ተረፎ ካብ ምዝነታ ብፍቓዳ ምውራዳ ዝዝከር እዩ። ሙሓረም ደሚሮክ ኣብ 1990ታት ብ ክልተ ክሲታት መጥቃዕቲ ተፈሪዱ ኔሩ እዩ። ኣብ ክንዲ በቲ መንእሰይ እናሃአወ ኣብ 90ታት ዝፈጸሞ ወንጀል፡ በዚ ሕጂ ዘለዎ ጥራይ ክረአን ክግምገምን ከም ዝደሊ ሙሓረም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com