Monday , May 13 2024
Anders Wiklund/TT

ሙሓረም ደሚሮክ ምሕጻዩ ከም ዘሐጎሶም፡ ነባራት ፖለቲከኛታት ሰልፊ ማእከላይ ገሊጾም።

ሰልፊ ማእከላይ፡ ብ ኮሚተኡ ኣቢሉ ሙሓረም ደሚሮክ ክመርሖ ምሕጻዩ ከም ዘሐጎሶም፡ ነባራት ፖለቲከኛታት እቲ ውድብ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጾም። ኣባላት ሰልፊ ማእከላይ፡ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት 2 ሓድሽ መራሒ ንምርቋሕ ከድምጹ እዮም። እቶም ሕጹያት ከኣ ሙሓረም ደሚሮክ፡ ኤልሳቤጥ ታን ሪንቪስት፡ ከምኡውን ዳንኤል ባክስትሮም እዩ። ደሚሮክ ኣብ 90ታት ዝፈጸሞ ወንጀል፡ ኣብዚ ምድማጽ መሪሕነት ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ኢሉ ከም ዘይሓስብ፡ ምክትል ፕረሲደንት ቦርድ ዞባዊ ፈጻሚ ጉስታቭ ሄሚንግ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com