Friday , April 26 2024

ሚኪኤል ኣንጀሎ መን’ዩ?

ሚኪኤል ኣንጀሎ ፍሉይ ክእለት ዝውንን ስነ-ጥበባዊ’ዩ ነይሩ። እቲ ብቐንዱ ዝፍለጠሉ
ሞያ ቅብኣን ቅርጻን እዩ። ንሱ ብተወሳኺ ኣርክቴክትን ገጣማይን’ዩ ነይሩ። ሚኪኤል
ኣንጀሎ ብሉጽ ስብእና (personality) ዝውንንምንባሩ’ውን ተመራመርቲ ይዛረቡ።
ሚኪኤል ኣንጀሎ ብ1475 ኣብ ኣርፕረሰ – ኢጣልያ ተወሊዱ። ኣብታ ማእከል ስነጥበብ ኤውሮጳ ዝነበረት ከተማ ፍሎረንስ ብምዕባዩ ድማ ገና ወዲ 13 ዓመት ከሎ’ዩ
ቀባኣይ ኰይኑ። ነቲ ብዘይክዳን ዝቐረጾ ምስሊ ሰብኣይ ከኣ “ሕመረት ስነ-ጥበብ’ዩ”
ኢሉ’ዩ ዝኣምን።

ኣብ ፈለማ ብጥበብ ዝቐረጾም ኣሳእል፡ንሚኪኤል ኣንጀሎ ኣዝዩ ውሩይ ካብ
ዝገበሩዎ ስራሓት እዮም። ብፍላይ እታ “ፔታ” እትበሃል ክርስቶስ ኣብ ሕቕፎ
ኣዲኡ እንከሎ እተርኢ ቅርጻ፡ ሓንቲ ካብተንብሉጻት ስራሓት ሚኪኤል ኣንጀሎ እያ።
ኣብ 1564 ዝሞተ ሚኪኤል ኣንጀሎ ኣብ ግዜኡ ኣብ ዝነበሩን ብድሕሪኡ ዝሰዓቡን ስነጥበባውያን ኤውሮጳ ዓቢ ጽልዋ’ዩ ፈጢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com