Friday , April 26 2024
Vaccination against COVID-19. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ማሕበር ሓካይም፤ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ንክኽተቡ ጸዊዑ

ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፤ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክኽተቡ ኣለዎም ክብል ማሕበር ሓካይም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
መሰረት ናይዚ ሓበሬታ ድማ፤ ውጽኢት ናይተን ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ዝኸተባ ሃገራት ድሕሪ ምርኣይ ዝተወስደ ምዃኑ ኣባል እቲ ማሕበር ዝኾነት ማሊን በንግኔር ምስ ሪአድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፤ ገሊጻ።
ዋላ ኳ ቆልዑ፤ ከቢድ ዝኾነ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ዘየርእዩ እንተኾኑ፤ ኣብቶም ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎም ቆልዑ ግን እቶም ምልክታት ጎሊሖም ይረኣዩ እዮም ክትብል ወሲኻ፤ ማሊን፥ ገሊጻ።

ማሕበር ሓካይም ህጻናት ውን ኣብ ምጅማር ወርሒ መስከረም፤ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፤ ንክኽተቡ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com