Friday , April 26 2024
Owen Humphreys/TT

ማንቸስተር ናብ ዝናፈቐቶ ሽልማት ትምለሰ!

ድሕሪ ምኻድ ፈርጉሰን ኣንፈት ሽልማት ፕርመርሊግ ጠፊእዋ ኣሰር ሊቨርፑልን ኣርሰናል ሒዛ ትርከብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብዚ እዋን ድሕሪ ምምጻእ ናይ ቅድም በዓል ውዕለታ ሶልሽየር ዝተርጋግኤት ትመስል።

መሪኖ ንዘፍረሳ ጋንታ ከዕሪ ግዜ ዘይወሰደሉ ሶልሻየር ኣብ ተኽታታሊ 8 ዓወታታ ብምምዝጋብ ማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ዝለመደቶ ሃዲድ መሊስዋ ይርከብ። እንሆ ድማ ንሱ ንባዕሉ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ወርሒ ጥሪ ብሙኻን ድሕሪ ፈርጉሰን  ማለት ድሕሪ 2013 ነዚ ክብሪ ብምርካብ ናይ መጀመርያ ኮይኑ። ድሕሪ ሽልማቱ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃል ” እዚ ሽልማት ቀንድ መለለዪ ኣዛ ጋንታ ዝነብረ እዩ ። በዚ ናይ ሎሚ ሽልማት ድማ ስራሕ ተወድኡ ዘይኮነስ ኣበርቲዕኻ ንቕድሚት እዩ ክኸውን ኢሉ”። ነዚ ናይ ወርሒ ጥሪ ሽልማት ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብዙሕ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንደገፍርቱ ዝሰራሰረ ራሽፎርድ ብሉጽ ተጻዋትይ እዛ ወርሒ ብሙኻን ኣመቂርዎ ኣዩ።

ጀርመናዊ ኣከፋፋሊ ኣንድሬ ሹርለር ድማ ኣብ ልዕሊ በርንሊ ብዘመዝገባ ሸቶ ሽልማት ዝበለጸት ሸቶ ወርሒ ጥሪ ክኸውን ብቒዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com