Saturday , May 4 2024

ምሕሳው ብ መንጽር ሓንቲ ዓለም

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር
ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ “መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ?” ምስ ዚብሉኻ፡ “ኣነ
ኣይኮንኩን” ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ እንተ ዘይትሕሱ ድማ ኣይምሰረቕካን።
ትሕሱ ከም ዘሎኻ ብምንታይ ክትፍለጥ ትኽእል?

  1. ነቲ ዝሓተካ ዘሎ ሰብ ኣብ ዓይኑ ክትርእዮ ኣይትኽእልን።
  2. ኣእዛንካ ኪረስና ይጅምራ
  3. መልሓስካ ደርበስበስ ይብል
  4. ቀልጢፍካ ትሓርቕ
  5. ብውሽጥኻ ትጭነቕ፡ ትፈርህ
    ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ኣደ ንወዳ ዓሰርተ ቕርሺ ሂባ ደርሆ ዓዲጉ ከምጽኣላ ትእዝዞ። እቲ ወዲ፡ ከምቲ ኣዲኡ ዝበለቶ
    ደርሆ ዓዲጉ ይመጽእ። ግን ነታ ደርሆ ብሓምሽተ ቕርሺ ኢዩ ዓዲጉዋ። ሽዑ እታ ኣደ፡ “ኣንታ እዚኣ ደኣ ኽንደይ
    ትንእስ? ብኽንደይ ዓዲግካያ?” ትብሎ።
    እቲ ወዲ ድማ፡ “ብዓሰርተ ቕርሺ” ይብላ። ሽዑ እታ ደርሆ ብኣጋጣሚ ቃቕ ዚብል ድምጺ ትህብ። እቲ ወዲ ድማ
    ብፍርሂ እተላዕለ ነታ ደርሆ “ዋእ! ብኽንደይ ድየ ደኣ ዓዲገኪ?” ይብላ።
    በዚ ድማ ኣዲኡ ከም ዝሓሰወ ትርዳእ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com