Friday , April 26 2024

ምትእትታው ማኪና ኣብ ኤርትራ (ኣከባቢ 1930ታት)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ቀደም ናይ ቅጥራን ጽርግያ ኣይነበረን። ማርሻበዲ’ውን ኣይነበረን። ሳላ ማኪና ግን ኩሉ በብሓደ መጺኡ። ካብ ዓዲ ጥልያን ዝመጻ መኻይን በቲ ጽርግያ ከሽኰንድዳ፡ ወዲ ዓዲ ከኣ በቲ ማርሻበዲ ኪጐዓዝ ተመዲቡሉ እዩ ነይሩ።

እዛ ኣብ ሃገርና ብግዜ ጣልያን ዝኣተወት ኦቶናብለ እንብላ ዝነበርና ኣርባዕተ ጎማ ዝነበራ ተሽከርካሪት፡ ካብ እትፍጠር ኣስታት ሚእትን ሰላሳን ዓመታት እያ ገይራ። ኣብ ዓለም ካብቲ ዝነበረትሉ፡ እቲ ዘይነበረትሉ እዋን ይዛይድ። ጣልያን ከይተረፉ ናብዚ ዓዲ ኪኣትዉ ከለዉ (1890ታት) ካብ ባጽዕ ብፍልፍል ኣቢሎም እዮም በተን ብኣፍራስ ዚሰሓባ ሰረገላታት ገይሮም ናብ ኣስመራ ዝኣተዉ። ንማኪና ዚኸውን መገዲ ስለ ዘይነበረ። ፖርካ ሚዘርያ!!

ማኪና ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሃገር ጀርመን ክትመሃዝ ከላ፡ ከም ፈረስ ኣልቦ ሰረገላ እያ እትፍለጥ ዝነበረት። ኣብቲ ግዜቲ፡ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ሓንቲ ብዘይ ፈረስ እትንቀሳቐስ ሰረገላ ስለ ዝመሰለቶም ብዙሕ ይገርሞም ነበረ።

ከይትረግጾም ዘይኮነስ፡ ከይትበልዖም ብምፍራህ ድማ ኣማዕድዮም ምስ ዚርእይዋ በሪሮም ይጠፍኡ ነበሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ገለ ሰባት፡ ጽርግያ ኪሳገሩ ኸለዉ፡ ካብ ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዚሃድሙ ዘለዉ እዮም ዚመስሉ’ሞ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ናይ መኻይን ፍርሂ ኣብቲ ሓባራዊ ናይ ወድሰብ ኣእምሮ ስለ ዝሰረጸ’ዶ ይኸውን?

ማኪና ክትፍጠር ከላ ቅልዕቲ እያ ዝነበረት። ጡሩምባ ነይሩዋ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ቢብ ምባል ፋም ትብል ነበረት። ሰብ ድማ ዘሊሉ ወይ ነጢሩ ካብኣ ይእለ ነበረ። ምንጣርን ምዝላልን ምስ በዝሐ ደኾን ይኸውን ንሰብ ማርሻበዲ እተሰርሓሉ? ሓጐጽጐጽ ምስ በዝሐ ደኾን ይኸውን ነታ ማኪና ቅጥራን እተለበጠ ጽርግያ እተሰርሓላ?

መኻይን ምስ በዝሓን ዕግሽግሽ ምስ ወሰኸን፡ ወትሃደራት ትራፊክ ኪፍጠሩ ግድን ነበረ። ናይ መገዲ እተፈላለየ ምልክታት’ውን ወጸ። ግን ሰብ ካብ ምርጋጽን ምምዋትን ዓዲ ኣይወዓለን። ቅድም፡ ጠገለ ብዘይብሉ መገዲ ሰብ ይረግጻ ነይረን። ደሓር ግን ትራፊክ ፖሊስ ምስ መጹ፡ ብሕግን ስነስርዓትን ሰብ ኪረግጻ ጀሚረን።

ኣውቲስታ ወይ ዘወርቲ’ውን እንተ ኾነ፡ ምስ ካልኦት መኻይን ካብ ምጕናጽን ኣብ ገደል ካብ ምጽዳፍን ኣየቛረጹን። ክሳብ ለይተ ሎሚ ድማ ምስቲ ሕጊ ሓሊው ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ ዘሎ ባሎን ኣግራብን መናድቕን ምግጫው መዓልታውን ለይታውን ንጥፈታቶም ኮይኑ ኣሎ።

መኪና ተማሂዛ ኣብ ጽርግያ ከተዅድድ ዝረኣዩዋ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ተቓውሞ ከርእዩ ፈቲኖም ነይሮም ይብሃል። ሰብ ካብ 35 ኪሎመትር ኣብ ሰዓት ምስ ዚንቀሳቐስ፡ ምስትንፋስ ስኢኑ ይመውት ስለ ዝኾነ፡ ነዛ ምህዞ እዚኣ ዓገብ በሉልና ዚብሉ ቍጽሮም ብዙሕ ነበረ።

ግን ይትረፍዶ 35 ኪሎመትር ኣብ ሰዓት፡ ኣብ ነፋሪት ኴንካ 1000 ኪሎመትር ኣብ ሰዓት እናተጐዓዝካ’ውን ኣብ ኣካላትካ ዚፍጠር ጸገም የልቦን። ሓደ ነገር ኪመሃዝ ከሎ፡ ብዙሓት ተቓወምቲ ከም ዚለዓሉ፡ እንተኾነ ግን ውዒሎም ሓዲሮም ከም ዚፈሽሉ በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነት ክንርዳእ ንኽእል።

ዝኾነኾይኑ፡ እተን ጐተት እናበላ ዚጐዓዛ ዝነበራ መኻይን፡ ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ከም ንፋስ ኪውንጨፋ ጀመራ’ሞ ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ኾርሶ ተጀመረ። ብቐደሙ ተናጐጽቲ ዝኾና መኻይን ድማ፡ ኾርሶ ምስ ኣፍቀዱለን፡ ከም ሕስምቲ በቕሊ፡ ዋናታተን ተሰኪመን ናብ ገደል ኪጸድፋን፡ ምስ መናድቕ ኪላግዓን ግዜ ኣይወሰደለንን። ይትረፍዶ ዙርያ ረኺባ መዛወሪ፡ ብቐደማ ቅልጥፍቲ እግሪ ተባሂሉ እዩ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ንመኻይኖም ከም ጣኦት ዘምልኹወን ሰባት ምርኣይ እዩ። ካብ ደቆም ንላዕሊ ይሕብሕቡወን። ንሳቶም ኣካላቶም ዘይሕጸቡ፡ ንኣታተን ንግሆ ንግሆ ይወላውሉወን። ምስ ዝሓምማ ይጕህዩ። ተቐላጢፎም ድማ ናብ ጋራጅ ይወስዱወን። ዘይግበር ደኣ ኾይኑ እምበር፡ ጥርሙዝ በንዚን ሒዞም ኪበጽሑወን’ውን ኣይምጸልኡን።

ማኪና ምስ እትህልወካ፡ ሰብ፡ ገንዘብ ለከቅሓካ ኣይስከፍን። ይወሓሰካ’ውን። ሓዳር ኣብ ምግባር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ድማ፡ ብቕልጡፍ ዓወት ትጐናጸፍ። እምነት ትረክብ።

ጣልያን፡ ኣብቲ ኣብ ማኪና ዘጥረናዮ ዝንቡዕ ባህሊ ዓቢ ኣስትዋጽኦ ዝገበሩ ይመስሉ። ምሒር ምጕያይ፡ ንማኪናኻ ከም ጣኦት ምምላኽ፡ ማኪና ምስ ሓዝካ ንጉስ ጽርግያ ምዃን፡ ኣብ ማኪና ዄንካ ንኻልኦት ሰብ-መኻይንን ኣጋርን ምጽራፍ፡ ድምጽታት ብምግባር ደጋጊምካ ማርሻታት ምቅይያርን ብዙሕ ግዜ ቢብ ምባልን…ወዘተ።

ምናልባት ካብዚ እተላዕለ ይኸውን፡ ናብ ኣብ ብዙሕ ከተማታት ኣፍሪቃ ሰብ-ማኻይን፡ ድምጺ ጥራይ ከይኣኽሎም፡ ትኪ ዓጢኖምኻ ኪሓልፉ’ውን ዘይስከፉ። ኣብ ሃገርና፡ ካብ ሰብ ንላዕሊ ንማኪና ክብረት ምሃብ ከም ልሙድ እናኾነ ከይከይድ ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ዝኾነኾይኑ፡ ናብቲ ቀድኒ ኣርእስትና ክንምለስ። ኣብ 50ታት ኣብ ኣስመራ ይዝከረኒ፡ ዓበይቲ መኻይ ኣብ ደገ ምስ ሓደራ፡ ሓዊ ኣንዲድካ እየን ዚረስናን ዚትንስኣን ዝነበራ። ቨንቲ ኡኖ ይብሉወን ነይሮም። ከም ሰብ ስለ ዚቘራ፡ ንግሆ ሓዊ እንተ ዘይስሒነን ኣይትንስኣን። እምቢ ኣይንትንስእን! ዚብላ እየን ዚመስላ። ንስኻትኩም ስኽር ሓዲርኩም መዊቕኩምስ ንሕና ብቝሪ ክንትንስእ?

እቲ ምሒር ምጽዓን እናጸልኣኦ ደኾን ይኸውን ዚኸንባ ዝነበራ?

ገለ ኸኣ ነይረን ነቲ ሞቶረ ንምልዓል ነቲ ዕንክሊል ብገመድ ትጥምጥሞ እሞ ሸረር ኣቢልካ ተበራብረን። እቲ ሞቶረአን ብዘይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንቀሳቐስን። ንግሆ ይብዕግጋ ኮይነን ዲየን?

ደፊእካ ምትንሳእ እሞ ኸኣ ሉሙድ መዓልታዊ ኩነት እዩ ነይሩ። እስከ ፒኮሎታት (ህጻናት ወይ ብናይ ሎሚ ኣዘራርባ ማንጁሳት) ኣዳፍኡና ንብሃል ኔርና። ናይ ቢምቦሮ መኻይን ከይተረፋ ዝተደፍኣሉ ግዜ’ውን እኮ ነይሩ እዩ። ኣብ ሃገርና ደኣ ኣየጋጠመን እምበር ኣብ ገለ ኣፍሪቃዊ ከተማታትስ ገዛኻ ሓዊ ምስ ነደደ፡ ወዮ ቢምቦሮ ክሳዕ ዓንቀራ ማይ ዘቕቢባ እናተደፍአት ኢያ ናብቲ ኣብ ሓሙኽሽቲ ተለዊጡ ዘሎ ንብረትካ በርጠጥ እናበለት እትበጽሕ። ሓዊ ከተጥፍእ ዲያ ዋላስ ፈሓም ክትኣሪ።

አረ ደሓን፡ ምድፋእሲ ትደፋእ፡ ካብ ካልኦት ኣሕዋታ መዓስ በሊጻ። ግን እቲ ሞቶረ ጠፊኡ ከሎ፡ መን ኮን ይንቅወላ ነይሩ ይኸውን?

ናይ ምራራ ኣውቶቡስ ብካርካስነታ ፍልጥቲ ነበረት። ፋናለ (ናይ ቅድሚት መብራህቲ) ኣይሰርሕን። ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ኣረጊት ኣውቶቡስ ደፋእ እናበለት ንምራራ ክትጐዓዝ ከላ ኣብ መገዲ ይመስያ። ሰብ ጽዒና እያ። ፋናለ ስለ ዘይብላ ከመይ ኢላ ትቐጽል። መገዲ ምራራ ኸኣ ጸድፊ ዝመልኦ እዩ። ስለዚ እቲ ኣይታንቲ ወሪዱ ነቲ ኦሊዮ ብሩቺያቶ ኪውልውለሉ ዝወዓለ ኣጫርቕ ሓዊ ኣንዲዱ ቀቅድሚ’ታ ኣውቶቡስ እናኸደ ነቲ ኣውቲስታ መሪሑዎ ዓዲ ኣተወ ይብሃል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com