Friday , April 26 2024

ምንዳይ ስራሕ

ስራሕ ምርካብ፡ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል። ስራሕ ከተመልክቱ እንከለኹም፡ ወሃቢ-ስራሕ ዝጠልቦም ወረቓቕቲ ምስቲ ምልክታኹም ኣሰኒኹም ክትሰድዎ ኣለኩም። ዝበዝሕ እዋን፡ ወሃብቲ-ስራሕ፡ ውልቃዊ ደብዳበን ሰነድ መድለዪ ስራሕ ወይ ሲቪ (CV) ክትሰዱሎም ይደልዩ።


(CV) ሴቨ
ሴቨ፡ ካብ ላቲን ዝመጸ ቃል ኮይኑ፡ “ታሪኽ ህይወት” ማለት እዩ። ኣብ ሴቨ፡ ንዘለካ ተመኲሮ ስራሕ፡ ደረጃ ትምህርትን ካልእ ክእለትካን ትጽብጽብ። ብዛዕባኻን ከመይ ዝበልካ ሰብ ምዃንካን ድማ ቁሩብ ትትርኽ።
¤ ኣብ ሲቪ (CV) ክኣቱ ዝኽእል እዚ ዝስዕብ እዩ:
¤ ስም፡ ኣድራሻ: ቁጽሪ ስልኪ፡ ኣድራሻ ኢ-መይል።
¤ ምህሮ፤ ዝርዝራት ዝቐሰምካዮም ዓይነታት ትምህርቲ።
¤ ስራሕ፤ ዝርዝር ተመኲሮ ስራሕ።
¤ ከም ክእለት ቋንቋን ዳታን ዝኣመሰሉ ካልኦት ተመኲሮታት።
¤ መወከሲታት (Referenser)፡ ስም ወሃብ ስራሕካ ነበር ወይ ከኣ ስም ኣጸቢቑ ዝፈልጠካ ሰብ። ናይ’ቲ ዝጥቀስ ሰብ ስም፡ ቁጽሪ ስልክን ቦታ ስራሕን።


ሓጺር ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ድሌታትካ ወይ ዝንባለታትካ: ቤተሰብካን ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትገብሮም ንጥፈታትን።
ኣብቲ ዝነበረካ ስራሕ፡ እንታይ ትሰርሕ ከም ዝነበርካን ትሕዝቶ ትምህርትኻን’ውን፡ ኣብ ሴቨ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ክትትርኽ ትኽእል ኢኻ። ወሃብ ስራሕ ምስ ዝሓተካ፡ ነጥብታት ትምህርትን (Betyg) ምስክር ወረቐትን ድሒርካ ወይ ቃለ-መጠይቕ ምስ ገበርካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com